ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ፔሩ ነበር ኣልሃንደሮ ቶለዶ፡ ኣብታ ሃገር ብገበን ብልሽውና ክድለዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝግበኦም መቕጻዕቲ ንምቕባል ሰንበት ናብ ርእሰ-ከተማ ሊማ ኣትዮም። ካብ 2001 ክሳብ 2006 መራሒ እታ ሃገር ዝነበሩ ቶለዶ ኣብ ኣመሪካ’ዮም ጸኒሖም።
እቲ ቀሪቡሎም ዘሎ ክሲ ድማ ኣብ እዋን ስልጣኖም ካብ ትካል ህንጻ ብራዚል ናይ 35 ሚልዮን ዶላር ጉቦ ተቐቢሎም ዝብል’ዩ። ገበነኛ ኰይኖም ምስ ዝርከቡ ክሳብ 20 ዓመታት ዝኸይድ ማእሰርቲ ይጽበዮም።
ቶለዶ ብኽሲ ብልሽውና ዝእሰሩ ዘለዉ ሳልሳይ መራሕቲ እታ ሃገር ነበር ምዃኖም’ዩ።
ካብ ቺለ ተጠሪዙ ናይ 25 ማእሰርቲ ዘገልግል ዘሎ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ኣልበርቶ ፉጂሞሪ ሓደ ክኸውን እንከሎ ፔድሮ ካስቲሎ’ውን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ቅድሚ ቀረባ ግዜ ዝወረዱ መራሒ እታ ሃገር ነበር’ዮም። ቶለዶ ኣብቲ ክልተ መራሕቲ ነበር ተኣሲሮምሉ ዘለዉ ቦታ ክተሓዝ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።