ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፔሩ፤ 59 ኪሎ ኮከይን ተጠሊፉ


ሰብ-መዚ ፔሩ፡ ንበልጂዩም ዝቐንዕ ዝነበረ 59 ኪሎግራም ሓሽሽ ኮከይን ምርካቦም ኣፍሊጦም። እቲ ኣብ መርከብ ጽዕነት ዝተረኽበ ኮከይን፡ ብናይ ናዚ ባንዴራ ተጠምጢሙ ምጽናሑ እቲ ዜና ይውስኽ።

ነቲ ኮከይን ሒዛ ዝተረኽበት መርከብ ዋንነታ ናይ ላይበርያ ኰይና፡ ፖሊስ ነቲ ዝተረፈ 80 ኮንተይነራት እታ መርከብ’ውን ተመሳሳሊ ሓሽሽ ሒዙ ከይህሉ ኣብ ምፍታሽ ይርከቡ።

ከምዚ ዝመስል ሓሽሽ ክርከብ ዝውቱር እኳ እንተዀነ፡ ንልዕልና ስርዓት ናዚ ዝግለጽ ባንዴራን ምልክትን ክሕዝ ግን ፈላማይ'ዩ ክብል እቲ ዜና ከም ይጠቕስ።

ናይ 2020 መጽናዕቲ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሕብሮ፡ ንኮሎምቢያ ስዒባ፡ ፔሩ ብዓለም ደረጃ ካልኣይቲ ዝዓበየት ኣፍራዪት ኮከይን’ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG