ዋሽንግተን —
ኣብ ስነስርዓት ቀብሪ መራሒ እስራኤል ነበር ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ናእዳ መደረ ፔረስ ናይ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዓብዪ ሰብ ክብሉ ብምፅዋዕ ኔልሰን ማንዴላን ንግስቲ ኤልሳቤጠን ምስ ዝኣመሰሉ መራሕቲ ዓለም ኣመሳሲሎምዎም።ፐሬዝ ንግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ንምፍታሕ ዘርኣዩዎ ትብዓትን ውፍይነትን ፕሬዝዳንት ኦባማ ንኢዶምዎም።
ፕሬዝዳንት ኦባማ ኣብ ስነርዓት ቀብሪ ንዝተረኸቡ መራሒ ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ እውን ዘይተወድአ ውራይ ሰላም ከምዘለና ከም መዘኻኸሪ ምልክት እዩ ኢሎም።
ፕሬዝዳንት ኦባማ ናይ ቀደም ፕሬዝዳንት ቢል ክልንቴን፣ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጆን ኬሪ፣ዴሞክራሲያዊያን ሰኔተር ባብ ኬሲን ናንሲ ፐሎስን ሓዊሱ ን32 ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስን ብምምራሕ እዮም ኣብቲ ስነስርዓት ዝተረኽቡ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።