ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ - ኤችኣይቪ/ኤድስ ንምጥፋእ 111-ሚልዮን ዶላር ንኢትዮጵያ ከምትልግስ ኣፍሊጣ


ኤች.ኣይ.ቪ ኤድስ ኣብ ዝቕጽል ሽዱሽተ ዓመታት ካብ ኢትዮጵያ ንንምጥፋእ ንዝተወጠነ መንግስታዊ መደብ ንምዕዋት 111 ሚልዮን ዶላር ከምዝልግስ እቲ ፔፕፋር ዝባሃል ፕሮግራም ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ዓለምለኻዊ ድሕነት ጥዕናን ዲፕሎማሲን ዝኾኑ ዶ/ር ጆን ንጋሶንግ እቲ ገንዘብ ከምዝልገስ ኣፍሊጦም ኣለው።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ኣሜሪካ አርቪን ማሲንጋን ሚንስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ምስታፎም ውን ተሓቢሩ'ሎ።

እቲ ውጥን ብሕልፊ ኣብ ግጭት ዝጎድኦም ከባቢታት: ንተኣፋፊ አካላት: ቆልዑ: አባጽሕ: ግዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዘተኹር እቲ ዜና ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG