ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓወት ፕረዚደንት ኦባማ-መዘራረቢ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ


ኦባማ ምስ ቤተ-ሰቦም
ኦባማ ምስ ቤተ-ሰቦም
ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ብኽንድዚ ኣፈላላይ ክስዕሩ ኣይተፀበናን ይብሉ ክልተ ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ።

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ መበል 44 ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ኮይኖም ንኻልኣይ ግዜ ዝተመረፅሉ ናይ ትማሊ ምርጫ ውፅኢት ብክንድዚ ሰፊሕ ፀብለልታ ክስዕሩ እዮም ዝብል ተስፋ ኣይነበረናን ክብሉ ኣቶ ሃየልሚካኤል ሊንጎ ካብ ሚኒሶታ ኣቶ በላይ ገሰሰ ድማ ካብ ሜሪላንድ ገሊፆም።

ንሳቶም እቲ ውፅኢት ኣዐሪዩ ተቐራራቢ ክኸውን ከምዝኽእል ተፀቢዮም ከምዝነበሩን ግን ድማ ወፍሪ ፕሬዝዳንት ኦባማ ንሕድ ሕድ ገዛ ብምንክሕኩሑ በሰፊሕ ምስዓሮም ተረጋጊፁ ኣሎ ኢሎም።
እቲ ዝተስዓረ ነቲ ዝስዓረ ፅቡቕ ተመኒዩ ስዕረቱ ኣብ ሓፂር ግዜ ምቕባል እውን ኣሜሪካ ካብ ኩሉ ብልጫ እተርእየሉ ስልጡን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት እዩ ኢሎም።

ህዝቢ ምስ ህዝቢ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:22 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG