ወነንቲ`ተን ኣብያተ መግብን መስተን፡ እምብዛ ስብሃትለኣብን ኣማኑኤል ክፍሉን፡ ዘቕርብዎ መግብታት ካብ ደቂ-ዓዲ ሓሊፉ ብኻልኦት ዜጋታት`ውን እናተፈልጠ ይኸይድ ከምዘሎ ተዛሪቦም። “ረስቶራንት ድሕሪ ምኽፋተይ ዝቐሰምክዎ ትምህርቲ፡ ኣብ ኮለጅ ዘይኣተኹ ኣይብልን`የ” ይብል ኣማኒኤል። እምብዛ ብወገኑ፡ ንኹሎም ዓማዊል ብማዕረ እናጠመትካ፡ ምዕሩይን ስሉጥን ኣገልግሎት ትህብ እንተኾይንካ፡ ፍሪኡ ጥዑም`ዩ ይብል።
ረስቶራንትታቶም ካብ ካልእ ኣኼባታት ንላዕሊ፡ ኣካል መራኸቢ ኣህዛብ ክልቲአን ሃገራት ኮይነን ከምዘለዋ`ውን ይምስክሩ።
- ምሉእ ዕላል ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጥውቑ፡