ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝተጣፍኡ አደን ወዲን ብቴሌፎን ተራኺቦም


ንልዕሊ 20 ዓመታት ተጣፊኦም ዝነበሩ አደን ወደን ብቴሌፎን ተራኺቦም ኣለው።

እዚ ታሪኽ ናብ ድምጺ ኣሜሪካ ዝመጸ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ’ዩ። ውሉድ ወላዲት አዲኡ ኣብ ምርካብ ክንሕግዞ ናይ ናይ ኢሜይል መልእኽቲ ጽሒፉልና።

ድሕሪ’ዚ መልእኽቲ ቁጽሪ ቴሌፎን ክንረኽብ መልእኽቱ ኣብ መውሃቢ ርእይቶ ክገድፍ ሓቢርና ንሱ’ውን ንአዲኡ ዝፈልጥ እንተሎ ዝምሕጸን መልእኽቲ ገዲፉ።

ድሕሪኡ ንአዲኡ ዝፍለጥ ሰብ ብዘይምርኻብና ኣብ ክልል ትግራይ ንዘሎ ወኪልና ውሉድ ብዝሃበና መሰረት ሽምን ትውልዲ ቦታን ካልእ ሓበሬታን ብምሃብ አዲኡ ንምርካብ ክተሓበበር ሓቲትናዮ።

ጋዜጠኛ አለም ፍሰሃ ንወላዲት አደ አብርሃም ክንፈ ግርማጽየን ወ/ሮ ካሕሳ ገብረእግዚኣብሄር ብሰበሰብ ብስልኪ ረኺቡ ቁጽሪ ስልኪ ልኢኹልና፡ ውሉድን ወላዲን ድሕሪ 20 ዓመታት ብቴሌፎን ክራኸቡ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG