ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉዳይ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) 1ይ ክፋል


ICC
ICC
ቅድሚ ሎሚ ኣብ ዓለም ገበናት ተፈፂሞምን ሎሚ እውን ይፍፀሙን ዋላ እንተሃለው እውን ነዚ ንምክልኻል ዝተጣየሸ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን /ICC/ ግን ንኣፍሪካዊያንን መራሕቲ ኣፍሪካን ዒላማ ገይሩ ይንቀሳቐስ ኣሎ ዝብል ነቐፌራ ይቐርብ።ሕብረት ኣፍሪካ ከይተረፈ ብወግዒ መረረ ኣስሚዑን እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኣፍሪካ ዝመስረቶም ኽስታት ከልዕል ብወግዒ ሓቲቱ’ሎ።

ንናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ፖለቲካ ብቐረባ ዝከታተሉ ዶ/ር በርሀ ሃብተጊዮርግስን ተንታኒ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪካ ዶ/ር መሓሪ ታደለ ማሩን ICC ዛጊድ ዝሰርሖም ስራሕቲ ዘዕግብ ኣይኮነን ይብሉ።

ዛግዲ ካብ ዝሓዞምን ይምርምሮም ካብ ዘለውን 20 ዝኾኑ ገበናት ንሓደ ጥራሕ ፍርዲ ምሃቡ ብምግላፅ ትሑት ስራሕ ምስርሑ ሓቢሮም።ኩሎም ይምርምሮም ዘለው 20 ጉዳያት እውን ኣብ ኣፍሪካ ጥራሕ ምዃኖም ይገልፁ።

ኣባል እቲ ቤት ፍርዲ ንምዃን ኣይንደልን ዝበላ ሓያላት ሃገራት ዝሓቖፈ ቤት ምኽሪፅ ፅጥታ ሕቡራት መንግስታት ገበናት ንኽምርምር ነቲ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ናይ ምሃብ ስልጣን ምሓዙ ሓይላት ሃገራት ነቲ ቤት ፍርዲ ንፖለቲካዊ መሳርሒ ይጥቀምሉ ኣለው ዝብል ሕቶ የልዕል ከምዘሎ ዶ/ር መሓሪን ዶ/ር በርሀን ሓቢሮም።ንምሉእ ትሕዝቱኡ የድምፁ።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:12:37 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG