ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ህዝቢ ባድመ ንውሳነ ኢህወዴግ ብምቅዋም ሎሚ ናብ ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኡ ነይሩ' ኢሎም ክልተ ኣጋይሽና


ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ከተማ ባድመ
ሰልፊ ተቓውሞ ኣብ ከተማ ባድመ

ነበርቲ ባድመን ከባቢኣን ሎሚ ሶኒ ኣብ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ‘ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዝሓላፈ ሰሙን ዘሕለፎ ንትግባረ ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብን ኣመልኪቱ ዘሕለፎ ውሳነ ከምዝተቃወሙ’ ዝረኸብናዮ ዜና ገሊጹ።

ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ነበርቲ’ታ ከተማን ከባቢኣን ‘ፈጻሚ ስራሕ ኮሚቴ ኢህወዴግ ንሉኣላዊነት ኢትዮጵያን ናብ ኤርትራ ንዘርክብ ውሳኔ ምሕላፉ ትማሊ ይኹን ሎሚ ተቐባልነት ዘይብሉ’ዩ’ ኢሎም ካብ ኣዳለውቲ’ቲ ሰልፊ ሓደ ኣቶ ወልደጊዮርጊስ ወልደማርያም ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃል።

ኣማሓዳሪ ባድመን ከባቢኣን ናይ ዝርከበላ ታሕታይ ኣድያቦ ኣቶ ሙሉ መብራህቱ ብወገኑ ‘መሪሕነት ህወሓት ኣብ ልዕሊ’ቲ ጉዳይ ኣከታቲሉ መምርሒን መግለጺታትን እናሃበሉ ስለዝርከብ፣ ንቕድሚት’ውን እንተኾነ ሕቶ ህዝቢ ብመንጽር’ቲ ውድብ ዘውርዶ መምርሒን መግለጺን መልሲ ክረክብ’ዩ’ ኢሉ’ሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:41 0:00

XS
SM
MD
LG