ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ጊኒ ኣብ ሓደ ስታድየም ብዘጋጠመ ምጽቕቃጥ 56 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ጊኒ ኣብ ሓደ ስታድየም ብዘጋጠመ ምጽቕቃጥ 56 ሰባት ሞይቶም
ኣብ ጊኒ ኣብ ሓደ ስታድየም ብዘጋጠመ ምጽቕቃጥ 56 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ጊኒ ኣብ ሓደ ስታድዮም ኣብ እዋን ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ተጋጠምቲ ጋንታታት ንዝተፈጥረ ባእሲ ሓይልታት ጸጥታ ንምህዳእ ኣብ ዝፈተንሉ ብዝተፈጥረ ምጽቕቃጥ 56 ሰባት ምሟቶም መንግስቲ ጊኒ ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ኮሚኒከሽን’ታ ሃገር ፋና ሶማህ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ሰበ-ስልጣን ነቶም ነቲ ትማሊ ዘጋጠመ ምጽቕቃጥ ተሓተቲ ዝኾኑ ንምልላዮም ምርመራ የካይዱ’ለዉ ይብል።

ካብ መንጎ’ቶም ግዳያት ሓያለ ቆልዑ ከምዝኾኑ መሓውራት ዜና’ቲ ከባቢገሊፆም’ለዉ።

እቲ ባእሲን ምጽቕቃጥን ትማሊ ሰንበት ዝተፈጠረ ኣብ ስታድዮም ከተማ ንዘረኮረ ንኽብሪ ወታሃደራዊ መራሒ ማማዲ ዶዩምቦየ ኣብ መንጎ ጋንታታት ላበን ንዘረኮረን ናይ መወዳእታ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ጊኒ ኣማዱ ኦሩ ባህ ኣብ ማህበራዊ መራኸቢ ኤክስ ገሊፆም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG