ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሃረሪን ሰባት ተቐቲሎም፤ኣብ ኦሮሚያ ኣድማ ይካየድ ኣሎ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ መዳዋላቡ ሎሚ ኣብ ማዕልቲ ዕዳጋ መከላኸሊ ሓይሊ ብዝኸፈቶ ቶኹሲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት ሸውዓተ ክኣ ቆሲሎም ክብሉ ነበርትን ስሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ብዓል ስልጣን እታ ወረዳን ገሊፆም።

ብኻሊእ ወገን ኣብ ትሕቲ ክልል ሃረሪ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ተዓቒቦም ኣብ መንጎ ዝነበሩ ተመዛበልቲ ክልል ሶማሊያን ኣካልት ፀጥታን ብዝተፈጥረ ጎንፂ 4 ሰባት ሞይቶም 11 ሰባት ከኣ ቆሲሎም ክብሉ ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ኣፍሊጦም።

ብኻሊእ ዜና ካብ ሎሚ ክሳብ ረቡዕ ዝፀንሕ ኣድማ ምንቅስቓስ ንግዲ ጠጠው ምባል ተጀሚሩ ክብሉ ነበርቲ ንቪኦኤ ገሊፆም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:27 0:00

XS
SM
MD
LG