ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፔንታጎን ሚ/ምክልኻል ኦስተን ሕማም መንሽሮ ፕሮስተይት ከምዘለዎም ገሊጹ


ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስተን መንሽሮ ፕሮስተይት ከም ዘለዎምን ብምስጢር ናብ ሆስፒታል ዝኣተው ከኣ ንመጥባሕትን ድሒሩ ንዘጋጠሞም ረኽሲን ምኳኑ ሓኻይሞም ትማሊ ሰሉስ ገሊጾም።

እዚ ሕማም መንሽሮ ከም ዘለዎም ዝተዋህበ መግለጺ እቲ ኦስተን ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉሉ ቀንዲ ምኽንያት እንታይ'ዩ ብምባል ንዝሓለፈ ንሸሞንተ መዓልታት ክልዓል ዝቐነየ ሕቶ መልሲ ረኺቡ'ሎ። ኦስተን፡ ሕማም መንሸሮ ከምዘለዎም ዝተነግረ ቅድሚ ወርሒ እንተኾነ እዃ ፕረዚደንት ባይደን ብዛዕባ'ቲ ሕማም እቶም ሚንስተር ዝፈለጡ ብሰሉስ ብምዃኑ ሕቶ ተሓታትነት ኣልዒሉ'ሎ።

ወዲ 70-ዓመት ኦስተን መጥባሕቲ ንምክያድ ናብ ወታሃደራዊ ሆስፒታል ዋልተር ሪድ 22 ታሕሳስ 2023 ኣትዮም። ሰሙን ጸኒሑ ከኣ ረኽሲ ከምዝገበሩ ተገሊጹ። ብዛዕባ እዚ ሆስፒታል ምእታዎም ኮነ ሕማም መንሽሮ ከምዘለዎም ንመዓልታት ንፕረዚደንት ባይደን ኮነ ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን እቲ ምምሕዳር ኣይተነግሮምን።

ሓኻይሞም እቲ ካንሰር ኣብ መጀመርትኡ ከሎ ቀልጢፋ ከምዝተረኽበን እቲ ሕክምና እውን ጽቡቅ ምክያዱ ይገልጹ።

ይኹን ደኣ እምበር እቲ ሓበሬታ ብንጹር ብዘይምግላጹ ወቀሳ ዘስዓበ ክኸውን ከሎ ኦስተን ብቐዳም ምስ ፕረዚደንት ባይደን ምዝርራቦምን ዝሓሸ ኣገባብ ክኽተሉ ይግባእ ከምዝነበረ ምግላጾም ንመጻኢ ዝሓሽ ግሉጹነት ከምዝህልው ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም። ሓያለ ሪፑብሊካን ግን ኦስተን ካብ መዝነቶም ክልዓሉ ኣለዎም ይብሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG