ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ሃገሮም ኣብ ጉዳይ ፈተነ ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ኣብ ጎኒ ደቡብ ኮርያ ደው ከምትብል ገሊጾም


ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማኡክ ፔንስ(ጸጋም) ን ቀዳማይ ሚኒስትር ደቡብ ኮርያ ሂዋንግ ኪዮሃን (የማን)
ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማኡክ ፔንስ(ጸጋም) ን ቀዳማይ ሚኒስትር ደቡብ ኮርያ ሂዋንግ ኪዮሃን (የማን)

ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዑደት ይፍፅሙ ዘለው ምኽትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ሰሜን ኮሪያ ፈተነታት ሚሳይልን ኒኩሌርን ኣብ ዝቐፀለትሉ ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ ደቡብ ኮርያ’ላ ክብሉ ገሊጾም።

ምኽትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ኣብ ቅድሚ ናይ ሰሜን ኮሪያ ቀፃሊ ፈተነታት ሚሳይልን ኒኩሌርን ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ ደቡብ ኮሪያ ደው ትብል ኢሎም።

“ንናይዚ ዞባ ሰላምን ፀጥታን ሓደገኛን ግዜ ዘይህብ ስግኣትን ኮይኑ ንዘሎ ስርዓት ሰሜን ኮሪያ ንምግጣም ዘለና ቅርቡነት ካብዚ ንላዕሊ መርትዖ ኣብ ካልእ ከባቢ የለን።ካብ 1992 ዓ.ም ጀሚሩ ኣሜሪካ መሻርኽትናን ወሽመጥ ኮሪያ ካብ ኒኩሌር ነፃ ንምግባር ብሓባር ደው ኢሎም ይርከቡ።ብሰላማዊ መንገድታት ክነዐውቶ ተስፋ ንገብር፤ይኹን እምበር ኩሎም መማረፂታት ኣብ ቦትኦም ኣለው።"

ግዚያዊ ፕረዝደንትንት ደቡብ ኮሪያ ኮይኖም ይሰርሑ ምስ ዘለው ቀዳማይ ሚኒስትር ሂዋንግ ኪዮሃን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ፔንስ ሰሜን ኮሪያ ንፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ምፍታን ክትዕቀብ ኣጠንቂቖም።

ምኽትል ፕሬዝዳንት ፔንስ ኣብዚ ተኣፋፍነቱ እናዓበየ ይኸይድ ዘሎ ዞባ ኣሜሪካን ንመሻርኽታ ዘለዋ ፅኑዕ ቅርቡነት ንምግላፅን መንግስቲ ኪም ጆንግ ኡን ፕሮግራም ምምዕባል ኒኩሌራዊን ባለስቲክ ሚሳይልን ደው ከብል ፀቕጢ ንምግባር ዓለምለኸ ሓገዝ ንምትኽኻብ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ዑደት ንምፍፃም ናብቲ ዞባ ተጓዒዞም ዘለው።

ሰሜን ኮሪያ ኣብ ኣሜሪካ ክበፅሕ ዝኽእል፣ኒኩሌር ተሸካሚን ኣህጉራት ሰገርን ባለስቲክ ሚሳይል ንምምምዕባል ትገብሮ ብዘላ ፃዕሪ ወታደራዊ ወጥሪ ኣብዝሓየለሉ እዋን እዮም ፔንስ ናብቲ ከባቢ ገይሾም ዘለው።

ፒዮንግያንግ ብምኽንያት በዓል ልደት መስራቲ መራሒኣ ፈተነ ኒኩሌር ክተካይድ እያ ዝብል ትፅቢት እንተነበረ እውን ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ግዙፍ ወታደራዊ ምርኢት ብምክያድ፣ሓደሽቲ ነዊሕን ካብ ባሕሪ ዝውንጨፉን ሚሳይላት ኣርእያ’ላ።ትማሊ ሰንበት ድማ ምስተተኮሰ ድሕሪ ቑሩብ ጊዜ ዝፈሸለ ማእኸላይ ርሕቐት ሚሳይል ፈቲና ኣላ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG