ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፔለ ንሳልሳይ ግዜ ተመርዕዩ


"ንጉስ ኩዕሶ እግሪ ዓለም" ተባሂሉ ዝፍለጥ ብራዚላዊ ፔለ: ዝሓለፈ ቀዳም ንሳልሳይ ግዜኡ ኣብ ሳኦ ፓውሎ ከምዝተመርዓወ ምንጭታት ዜና ካብቲ ቦታ ሓቢረን።

ሓዳስ መርዓት ፔለ: ማርስ ሲበለ ኣኮይ ዝተባህለት 50 ዝዕድመኣ ነጋዲት ኮይና: ምስኣ ንዝሓለፈ ሽዱስተ ዓመታት ብሓባር ምጽንሖምውን ተፈሊጡ። ፔለ 75 ዓመት ገይሩሎ።

ፔለ ብዛዕባ ሓዳስ መርዓቱ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ናይ መወዳእታ ፍቕረይ" ኢሉ ገሊጽዋሎ። ዝመጽእ ነሓሰ 5 ኣብ መኽፈቲ ኦሎምፒክስ ናብ ህዝቢ ከቃልዓ ምዃኑ ድማ ተኣሚቱ።

ፔለ 3 ግዜ ዋንጫ ዓለም ንሃገሩ ዘምጽኣላ ህቡብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና ዝነበረዩ።

XS
SM
MD
LG