ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ዝኣተውዎ መብፅዓ ከኽብሩ ፀዊዖም


Seyoum Mesfin
Seyoum Mesfin

ኩሎም ተነሓናሕቲ ደቡብ ሱዳን ስለ ህዝቦምን ሃገሮም ክብሉ ነዚ ትርጉም ኣልቦ ዝበሉዎ ኲናት ንምፍታሕ ዝኣተውዎ መፅብዓ ከኽብሩ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ፀዊዖም።ኣብ ባይታ ግጭት ንኽንህር ምድላዋት ይግበሩ ከምዘለው ንሰምዕ ኣለና ዝበሉ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ናይ ኢጋድ ቀንዲ ኣደራዳሪ ኣቶ ስዩም መስፍን እዚ ንኩላትና ስግኣት ፈጢሩ’ሎ ኢሎም።

እቶም አምባሳደር ብተወሳኺ ኲናት መማረፂ ክኸውን ኣይክእልን ኩሎም ወገናት እቲ ስምምዕ ተፈፃሚ ክኸውን ቃሎም ክኽብሩ ኣለዎም ኢሎም።ንዝፈረምሉ ስምምዕ ተግባራዊ እንተዘይገበሩኸ ንዝብል ሕቶ ድማ "ውዕል ፈሪምኩም ኣለኹም።በቲ ስምምዕ ዘይትቕየዱ እንተኾይንኹም ሳዕቤን ከምዘለዎ ዓለምለኸ ሕጊ ይእዝዝ።ዓለም ተስፍኡ ይፅንቀቕ እዩ ዘሎ።ኣብ ዓለም ኩሉ ነገር መወዳእታ ኣለዎ፤ትዕግስቲ እውን መወዳእታ ኣለዎ።እዚ ክኸውን ድማ ኣይንደልዮን ኢና" ብምባል መልሲ ሂቦም ኣምባሳደር ስዩም መስፍን።

XS
SM
MD
LG