ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ-ነበር ፖል ማናፎርት: ኢዱ ንኣባላት ፈደራላዊ መርመራ ኣመሪካ FBI ሂቡ


ሓላፊ ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ-ነበር ፖል ማናፎርት
ሓላፊ ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ-ነበር ፖል ማናፎርት

ናይ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ሓላፊ ዘመተ ወፍሪ ምርጫ ዝነበረ ፖል ማናፎርት ሎሚ ንግሆ ኢዱ ንሰበ ስልጣን ፈደራላዊ ምርመራ ኣሜሪካ (FBI) ምሃቡ ተሓቢሩ።

ፖል ማናፎርት: ዝሓለፈ ዓመት ንዝተወሰነ ግዜ ሓላፊ ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዶናልድ ትራምፕ ኮይኑ ምዕያዩ ይዝከር።

ፍሉይ መርማሪ ጣልቃ ምእታው ሩስያ ኣብ ምርጫ ኣመሪካ ዝሓለፈ ዓርቢ ንሓደ ኣብ ምምሕዳር ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲ ክሲ ኣቕሪቡ ነይሩ።

እቲ ክሲ ክሳብ ሎሚ ንግሆ ንመን ምዃኑ ዝተሓበረ ኣይነበረን።

ፖል ማናፎርት ሎሚ ንግሆ ብኣባላት ፈደራላዊ መርመራ ኣመሪካ ተሰንዩ ካብ ቤቱ ኣብ ዝወጸሉ
ፖል ማናፎርት ሎሚ ንግሆ ብኣባላት ፈደራላዊ መርመራ ኣመሪካ ተሰንዩ ካብ ቤቱ ኣብ ዝወጸሉ

ይኹንምበር: ኣባላት ፈደራላዊ መርመራ ኣመሪካ ማለት ሎሚ ሰኑይ ንግሆ እቲ ክሲ ዝሓዘ ሰነድ ምስተኸፍተ: ኣብቲ ክሲ ንዝተዘርዘሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእቱ ምዃኑ ተሓቢሩ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG