ካብ ተወካሎ ህዝብታት ንዝቐረበ ሕቶታት መብርሂ ዝሃበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ መንግስቱ ነቲ ተደጋጋሚ ዝቐርብ ዘሎ ጠለባት ምስፋን ሰላም፡ ህንጸትን ሕቶ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ምምላስ ቀዳምነት ሂቡ ይሰርሓሉ ምህላዉ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ መግለጺኡ፡ ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ሚሊሻ ፋኖን ይወርድ ኣሎ ንዝበሎ ቅትለትን ምጭዋይ ዜጋታትን ኰኒኑ። እንተዀነ ኵላቶም ኣካላት ፍልልያቶም ብዘተን ሰላማዊ መንገዲን ክፍትሑ ጸዊዑ።
ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣዝዩ ኣዘራራቢ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ ስምምዕ መዘከር ምስ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ ኣመልኪቱ ድማ፡ “እቲ ስምምዕ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ክልቲኦም ኣካላትን ዞባዊ ምትሕባብርን ዝምርኰስ’ዩ፡” ኢሉ። ቀዳማይ ሚንስተር ወሲኹ፡ ኢትዮጵያ ንስለ ኣፍደገ ባሕሪ ኢላ ምስ ዝዀነ ሃገር ኣብ ኲናት ክትጽመድ ድሌት ከም ዘይብላ ብምጥቃስ፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ዝተብጽሐ ስምምዓት’ውን ንኣህጉራዊ ሕግታትን ስምምዓትን ብዘይጥሕስ መንገዲ ጥራይ ክፍጸም ምዃኑ ቃሉ ሂቡ።
ቅጥዒ