ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፖርቲታት ፖለቲካ ተጽዕኖ የሕድር ምህላዉ ገሊጹ


ምክትል ኣካቢ’ቲ ቦርድ ኣቶ ውብሸት ኣየለ - ፋይል
ምክትል ኣካቢ’ቲ ቦርድ ኣቶ ውብሸት ኣየለ - ፋይል

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ‘ኣብ ልዕሊ ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት'ያ ሃገር የጋጥም ዘሎ ምፍርራሕን ምክልባትን፣ ስራሕተይ ንከይዓዪ ሓያል ጽልዋ የሕድረለይ ኣሎ’ ክብል ገሊጹ።

ምክትል ኣካቢ’ቲ ቦርድ ኣቶ ውብሸት ኣየለ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት፣ ብሰንኪ መንግስቲ ዘሕድረሎም ዘሎ ተጽዕኖ፣ ሓፈሻዊ ጉባኤኦም ከካይዱ ከምዘይካኣሉ ሓቢሮም።

እቶም ፓርቲታት ባዕላቶም ክኢሎም መአከቢ ኣዳራሻት ክካረዩ ስለዘይካኣሉ፣ እቲ ቦርድ ብሽም’ቶም ፓርቲታት ይካረየሎም ከምዘሎ’ውን እቲ ዜና ይጠቅስ።

ኣቶ ውብሸት ሎሚ ረቡዕ ንኮሚቴ’ቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘቅረብዎ ሪፖርት ብዘይትእዛዝ ቤት ፍርዲ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣባላት ፓርቲታት ተቃውሞ ከምዘለውን፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ግቡኦም ንክፍጽሙ ከምዝተሓተቱ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ዝላኣኾ ሪፖርት ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG