ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሕሙማት ፓርኪንሰን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ዝተጣየሸ ገባሪ ሰናይ ትካል


Parkinson Patients in Addis Ababa
Parkinson Patients in Addis Ababa

ንማኸላይ ስርዓት ነርቭ ደቂ ሰባት ዘጥቅዕ ሕማም ፓርኪንሰን ዝጥምት The Parkinson Patient Support Organization / ንሕሙማት ፓርኪንሰን ዝሕግዝ ትካል/ ብዝብል ሽም ዝተጣየሸ ትካል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

ከምዚ ዝበለ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ክጣየሽ ፈለማይ ጥራሕ ከይኮነስ ብዘይካ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ከምዘየለ ናይቲ ትካል መስራቲትን ዳይረክተርን / ክብራ ከበደ ይገልፃ።

ባዕለን እውን ኣብ እዋን ዕድመ ንእስነተን በቲ ሕማም ካብ ዝትሓዛ 16 ዓመታት ከምዘቑፀራ ዝገለፃልና ብዓልቲ ሓዳርን ኣደ ክልተን ወ/ሮ ክብራ ብዛዕባ እቲ ሕማም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጋገየ ኣረዳድኣ ከምዘሎ ሓቢረን። ‘’ናይ ሰይጣን መንፈስ’’፣’’ርኹስ መንፈስ’’፣’’ናይ ኣረጉቶትን ዓበይትን ሰባት ሕማም’’ ወዘተ ዝብሉ ኣመለኻኽታታት ስለዘለው ቤተ ሰብ ነቶም ሕሙማት ስለዝሓብኡዎም እቶም ሕሙማት ዝግባእ ሓገዛት ምኽርን ክንክን ከይረኽቡ ዕንቅፋት ምዃኑ ይገልፃ።

ስለዚ ይብላ ንሰን ኣብ ሕብረተሰብ ብዛዕባ እቲ ሕማም ኣፍልጦን፣ንሕሙማ ድማ ሓገዝ ንምሃብን ከምዝተጣየሸ ብምግላፅ ትካለን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ 300 ሕሙማት ፓርኪንሰን ዝተፈላለዩ ሓገዛት የበርክት ከምዘሎ ይጥቕሳ።ዓብዪ ሕፅረት በጀትን ሰብ ሓይልን ናይ ማሕበረን ዓበይቲ ፈተናታት ምዃኖም ኣፍሊጠን ኣለዋ።ንዝርዝሩ የድምፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:39 0:00

XS
SM
MD
LG