ኣብ ፓሪስ ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ትሕተም ሰሙናዊ ጋዜጣ ቻርሊ ኢብዶ መጥቃዕቲ ተፈፂሙ ብውሑድ 12 ሰባት ከምዝተቀትሉ ተፈሊጡ።
ፖሊስ ፈረንሳ 3 ሰባት ኣብ ውሽጢ ቤት ፅሕፈት’ታ ጋዜጣ ተኹሲ ከፊቶም ነቲ ጥቅዓት ድሕሪ ምፍፃሞም ከምዝተሰወሩ ሓቢሩ።
ቀንዲ ኣሰናዳኢት’ታ ጋዜጣ ስተፈኒ ካርቦንየርን 3 ካልኦት ጋዜጠኛታት ካርቶንን ካብ ሞንጎ’ቶም ግዳያት’ዮም።
ውፅእ ብዝበለ ኣገላልፅኣ ትልለ እታ ጋዜጣ፡ሃይማኖታዊን ባሕላዊን ሪኢቶታት’ውን ትህብ’ያ።እታ ጋዜጣ ኣብ ናይ ረቡዕ ሕታማ፡ብዛዕባ መራሒ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ ኣቡ ባክር ኣል-ባግዳዲ ዝምልከት ሓደ ፅሑፍ ሒዛ ነይራ።መግለፂ ሰናይ ሓድሽ ዓመት እናሃበ ከሎ።
እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፡እቲ መጥቃዕቲ ስራሕ ፈጠርቲ ራዕዲ’ዩ ኢሎም ኮኒኖምዎ ፕረዚደንት ፍራንስዋ ሆላንድ።ንሶም ወሲኾም ኣረመንያዊ ተግባራት ንናፅነት ሓሳብካ ምግላፅ ኣየፅልምቶን’ዩ’፡”ኣብ ልዕሊ ሚድያ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ንመሰረታዊ መትከላት ሓሳብካ ብናፃ ምግላፅ ኣይከጥፈኦን’ዩ ኢሎም።