ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ፈረንሳ ንወሰኽ ደሞዝ ሓለዋ ኦሎምፒክስ ኣመልኪቶም ኣድማ የካይዱ


ፖሊስ ፈረንሳ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ ነሓሰ ኣብ ከተማ ፓሪስ ንዝቃናዕ ውድድር ኦሎምፒክ ተወሳኺ ደሞዝ ንኽወሃብ ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም። ፖሊስ፡ እቲ ዝሕተት ዘሎ መጠን ወሰኽ ደሞዝ እንተ ዘይተገይሩሎም፡ ኣብ እዋን ሓለዋ እቲ ውድድር ኣድማ ክግበሩ ምዃኖም የጠንቅቑ ኣለዉ።

እቲ ብምትሕብባር በበይኖም ናይ ፖሊስ ማሕበራት ዝተጸወዓ “ጸላም ሓሙስ” ዝተሰምየ ኣድማ፡ ኣብ በበይኑ ከተማታት ፈረንሳ ኣብ ቅድሚ መደበራት ፖሊስ’ዩ ተኻዪዱ።

ኣስታት 30-ሽሕ ዝበጽሑ ኣባላት ፖሊስ ንሓለዋ ውድድር ኦሎምፒክ ፓሪስ ክሳተፉ ምዃኖም ይግመት።

ኣዳላዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ንገለ መሰላት ካብ ሰራሕተኛታት ስለዝሰረዘ፡ ኣባላት ፖሊስ ትማሊ ረቡዕ’ውን ኣብ ቅድሚ’ቲ ቤት ጽሕፈት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም ነይሮም። ካብቲ ዝተሓድገ መሰላት እንተ ዘይተመሊሱ፡ ኣብ እዋን እቲ ውድድር’ውን ኣድማ ክቕጽሉ ምዃኖም እቶም ፖሊስ ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

ከተማ ፓሪስ ንውድድር ኦሎምፒክ ኣብ እትቀራረበሉ ዘላ እዋን፡ ኣድማ ዝገብሩ ዘለዉ ኣካላት መንግስቲ ፖሊስ ጥራይ ኣይኰኑን። ሰብ-ሞያ ጥዕና፡ ሓለዋ ኣየርን ካልኦት ኣካላትን’ውን ወሰኽ ደሞዝ ይሓቱ ኣለዉ። ሕቶኦም ምላሽ ምስዘይረክብ ድማ ኣድማ ክገብሩ ምዃኖም የጠንቅቑ።

ፓሪስ ኣብ መበል 100 ዓመታ ንውድድር ኦሎምፒክስ ከተዳሉ ኣብ እትሻበሸበሉ ዘላ እዋን፡ እታ ሃገር ነቲ ኣጋጣሚ ናብ መስሕብ በጻሕቲ ክትገብሮ ትትስፎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG