ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝጅመር ዘሎ ኦሎምፒክ ፓሪስ ንምስታፍ ሚልዮናት በጻሕቲ፡ ኣሽሓት ስፖርተኛታትን ኣውሓስቲ ጸጥታን ኣብ ፓሪስ ይርከቡ። እንተዀነ ኣብታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ፡ ስእነት ጸጥታን ዘይምቹው ኩነታት ኣየርን ተደማሚሩ ነታ ሃገር ኣብ ተጠንቀቕ ኣእትዩዋ ኣሎ ትብል።
እዛ ሕጂ እንርእያ ፓሪስ እታ ብበጻሕቲ እተዕለቕልቕ ፓሪስ ኣይኰነትን። ሓያሎ ካብቶም ልሙዳት ስፍራታት ብፍሉይ ወረቐት እንተዘይኰይኑ ንምእታው ተኸልኪሎም’ዮም።
ኣብዚ ሎሚ ዝኽፈት ዘሎ ጽንብልን ዝቕጽል ስፖርታዊ ግጥማትን ንምስታፍ ኣስታት 15-ሚልዮን በጻሕቲን ብውሑዱ 10-ሽሕ ስፖርተኛታትን ከም ዘለዉ ይግመት። ሓያሎ ነበርቲ እዛ ከተማ ናብ ካልእ ቦታታት ዝወጽኡ ይመስሉ።
ኣዳለውቲ ኦሎምፒክስ ፓሪስ እቲ ንኣከባቢ ዝተዋሕሰ ውድድር ከእንግዱ ምዃኖም ቃል ኣትዮም’ዮም። መኽፈቲ እቲ ጽንብል ድማ ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተለምደ ኣብ ስታድዮማት ዘይኰነስ ኣብቲ ብፓሪስ ሰንጢቑ ዝሓልፍ ፈለግ ሴን’ዩ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን’ውን ንፍሉይነት መኽፈቲ ጽንብል ብዅርዓት ተዛሪቡሉ ኣሎ።
“ግልጺ ክዛረብ፡ ኣብ ፈለማ እቲ ሓሳብ ንዋዛ ደኣ’ምበር ናይ ቁምነገር ይመስል ኣይነበረን። ዳሕራይ ግን ፍልይ ዝበለ ነገር ከነቕርብ ግዜኡ’ዩ ኢልካ ወሲንና፡” ኢሉ።
ምኽትል ከንቲባ ከተማ ፓሪስ’ውን ኣጋይሽ ንምእንጋድን ውድድራት ንምክያድን ድሉዋት ምህላዎም ትገልጽ።
ካልኦት ጸገማት ግን ኣለዉ። ድሕሪ ናይ ቀረባ እዋን ምርጫ፡ ተዓዋቲ ሰልፊ ስለ ዘይነበረ፡ ብግዜያውነት ዝኸይድ ምምሕዳር’ዩ ዘሎ።
ፈለግ ሴን ንምጽራይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ዝወድአ መስርሕ’ዩ ነይሩ። እንተዀነ ከምቲ ዝድለ ጸርዩ እንተዀይኑ ገና ኣጠራጣሪ’ዩ። ነቲ ዘሎ ስክፍታት ንምውጋድ እምበኣር’ያ ዝሓለፈ ሰሙን ከንቲባ ናብቲ ፈለግ ብምጥሓል ጽሩይ ምዃኑ ብኣብነት ከተርኢ ዝፈተነት።
ኣብ ዙር ፈረንሳ ደጊሱ ዝቐነየ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ዳግም ከይለዓል’ውን ካብቲ ተሰጊኡ ዘሎ’ዩ።
ልዕሊ ኵሉ ግን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን ሕንገዳታትን’ዩ ኣሻቒሉ ዘሎ። ሎሚ ዓርቢ ኣብ መስመራት ባቡር ዝተራእየ መጥቃዕቲ’ውን ሓደ ኣብነት’ዩ።
ካብቲ ክመጽእ ዝኽእል ተቓውሞ ንምክልኻል ድማ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣባላት ጸጥታ ንጎደናታት፡ ኣፍላጋትን ሰማይትን ፓሪስ ይሕልዉዋ ኣለዉ።
ኲናት ቓዛን ዩክሬንን ናብ ፓሪስ ዝልሕዅ ጽልዋ ክህሉዎ ተኽእሎ ኣሎ። ባዕላቶም ፈረንሳውያን’ውን ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ዝተሓዋወሰ ስምዒት’ዩ ዘለዎም።
ካብ ትካል ሞንተኝ ዝዀነት ብሎሽ ለሪዶን ነቲ ምኽንያት ዘይዕጉብነት ፈረንሳውያን ከተብርህ እንከላ፤ “ገለ ሰባት ዝያዳ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት እዛ ሃገር’ዮም ዝሻቐሉ ዘለዉ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ክብሪ ዋጋታትን ብሰንኪ’ዚ ውድድር ክመጽእ ዝኽእል ስእነት ጸጥታን የሻቕሎም። ካልኦት ግን ሕጉሳት’ዮም። ኣብ ፓሪስ ግን ዝበዝሑ እንተስ ነብሶም ካብዚ ፍጻመ ዘግለሉ ወይ ድማ በቲ ዝርአ ዘሎ ሓድሽ መምርሒታት ዝሰልከዩ’ዮም።”
ከም በዓል ጆኮ ኢስቶሊያን ዝኣመሰሉ ነበርቲ ፓሪስ ግን ሕጉሳት’ዮም። ሰብ-መዚ ፓሪስ ነዚ ውድድር ንምእንጋድ ዝተቓለሱዎን ዝኸፈሉዎ ዋጋን ከኣ ይዝክሩ።
ድሕሪ’ዚ ኵሉ ምድላዋት ግን ሕጂ ዘሎ እለታዊ ሻቕሎት ኣብቲ ሰዓት 7፡30 ምሸት ብኣቆጻጽራ ፓሪስ ክጅምር ተመዲቡ ዘሎ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ዝናብ ከይወቅዕ’ዩ ዘሎ። ትንቢት ኩነታት ኣየር ፓሪስ ኣብቲ ሰዓታት ተኽእሎ ዝናብ ከም ዘሎ’ዩ ዘምልክት።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ