ዋሽንግተን —
ከንቲባ ፓሪስ ኣን ሂዳልጎ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ሃንደበታዊ ምርጫ ብምፅዋዕ ኣብ ዋና ከተማ ፈረንይ ዝቕፅል ወርሒ ዝካየድ ኦሎምፒክ ክበላሾ ወይ "ኣብ ሓደጋ’’ ኣእትዮምዎ ኢላ።
ህዝቢ ፈረንሳ ቅድሚ 26 ሓምለ ዝጅመር ፓሪስ ኦሎምፒክ ሰንበት ኣብቲ ክልተ ዙር ዝካየድ ናይ መጀመሪያ ዙር ከድምፁ እዮም።
መዐቀኒ ርእይቶታት ህዝቢ ከም ዝሕብሩዎ ርሑቕ የማናይ መርገፂ ዘለዎ ፓርቲ ናሽናል ራሊ ይመርሕ'ሎ። ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ፓርላማ ዓብላሊ ድምፂ ብምርካብ መራሒ መንግስቲ ናይ ምዃን ተኽእሎ ኣለዎ።
ሂዳልጎ ኮስት ፍራንስ ንዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ ምልልስ "እቲ ፕረዚደንት ንህዝቢ ፈረንሳ ብምብዳል ነቲ ውራይ የበላሽዎ እዩ ዘሎ’’ ኢላ ። ማክሮን 9 ሰነ ነቲ ፓርላማ በቲኖምዎ እዮም።
"ናተይ ሓላፍነት እቲ ፀዋታ ናይ ስኒትን ታሕጓስን እምበር ናይ ህውከት ክኸውን ኣይኮነን’’ ኢላ። ንሳ ኣብ 2022 ኣንፃር ማክሮን ተወዳዲራ ነይራ። ንሳ ብምውሳኽ ወዲ 28 ዓመት ሕፁይ ናሽናል ራሊ ጆርዳን ባርዴላ ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኑ እነተተመሪፁ ኣብ እዋን እቲ ውድድር ኣብ ጎኑ ኮይነ ፎቶ ኣይልዓልን እየ ኢላ ኣላ።
ቅጥዒ