ዋሽንግተን —
ናይ ፈረንሳ ጸረ ግብረ ሽበራ ቤት ጽሕፈት ድሕሪ ኣብ ኖርት ዳም ካቴድራል ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ፖሊስ አባል ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ኣብ መላእ ከተማ ፓሪስ ምርመራ ምጅማሩ ኣፍሊጡ’ሎ።
ናይ ከተማ ፓሪስ ፖሊስ ብወገኑ ድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ ንሓደ ጥርጡር ተኩሶም ምቁሳሎም ሓቢሮም’ለው።
ፖሊስ ንከባቢ እቲ ካቴድራል ክገድፉ ክመርኽሩ’ውን ተራእዮም’ዮም። ሰበ ስልጣን እታ ከተማ እቲ ቆሲሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝአተወ ውልቀ ሰብ ነቲ መጥቓዕቲ ንበይኑ ምፍጻሙ ግን ኣየረጋገጹን።