ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደቅና ምለሱልና ኢሎም ወለዲ ኣብ ዩኒቨርስታት መቐለ ይምሃሩ ናይ ዘለው ተምሃሮ


ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዘለው ዩኒቨርስትታት ዝርከቡ ደቆም ካብቲ ክልል ንምውፃእ ‘’ዝኣተዎ ቃል ኣየኽበረን’’ክብሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ወለዲ ናይቶም ተምሃሮ ንሕቡራት መንግስታት ወቒሶም።ብርክት ዝበሉ ወለድን ስድራን ብ ፊት ንፊት ቤት ፅሕፈት ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኣፍሪካ ሕብረት ኮሚሽን ተኣኪቦም ደቅና ብቕልጡፍ ምለሱልና ክብሉ ሓቲቶም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ወለድን ኣባላት ስድራን ናይቶም ተምሃሮ ደቅና ምለሱልና ክብሉ ሓቲቶም።ሕቡራት መንግስታት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርስትታት ዘለው ተምሃሮ ንምምላስ ቃል ኣትዩ ነይሩ ይብሉ እቶም ወለዲ።

ወይዘሮ ፍረህይወት ገብረህወትን ኣቶ ቢኒያን ኣስራትን ናይ ሕቡራት መንግስታት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሓተቶ ናይ ነዳዲን ካልኦትን ቀረባትን ዝተመለሰሉ ምዃኑ ኣረጋጊፅና ኣለና ይኹን እምበር እቲ ውድብ ሓላፍነቱ ኣይተዋፅአን ይብሉ።

ንሰለስተ ግዜ ናብ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታት መፂአን ፍታሕ ከምዝሓተታ ዝገለፃ ኣብ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ውላደን ከምዘለወን ዝገለፃ ወይዘሮ ገነት ሮባ ህፁፅ መፍትሒ ክወሃበን ሓቲተን።

‘’ዩኒቨርስቲ መቐለ ኣብ መቐለ ብዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ድሕሪ 20 ሓምለ ቀለብ ስለዘይብለይ ኣነ ሓላፍነት ኣይወስድን ኢሉ ኣሎ’'ዝበላ እዘን ወላዲት ‘’ደቅና እንታይ ዕድል ኣለዎም?’’ ኢለን ይሕታ።’’ኣምላክ ይመስገን ትሕቲ እግዚኣብሄር ህዝቢ ትግራይ እዩ።ሕዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ምስ ተበተነ እውን ሓቒፉ ከምዝሕዘልና ንፈልጥ ኢና’’ ኢለን።

ናይቶም ወለዲ ተወካሊ ኣቶ ዳንኤል ኣስራት ሕቡራት መንግስታት ንቶም ተምሃሮ ከም መትሓዣ ብምጥቃም ካብ ስምምዕነት ወፃኢ ቅድመ ኩነታት ከምዝቐመጠ ብምግላፅ ሕዚ ኣብቲ ውድብ ተስፋ ከምዝቖረፁ ገሊፆም።

ካብ ሕቡራት መንግስታት መልሲ ከምኡ እውን ሪኢቶ ምንስቴር ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርትን ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወተን።

ሕቡራት መንግስታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰብኣዊ ረድኤት ንምብፃሕ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተቛረፀ ሓይሊ መብራህትን ስልክን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት ክኽፈት ብተደጋጋሚ ይሓቱ።

ወለዲ ናይቶም ተምሃሮ ንደቆም ሓገዝን ሓለዋን ይገብረሎም ኣሎ ንዝበሉዎ ህዝቢ ትግራይ ኣመስጊኖም፣ እዚ ክቕፅል እውን ምሕፅንታ ኣቕሪቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::


XS
SM
MD
LG