ዋሽንግተን —
ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዘቝጸረ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ መራሕቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ኣብ ጅዳ ንምዝርራብ ኣብ ዝቀራረብሉ ኣብ ዘለውሉ ሕጂ እዋን፡ ሰራዊት ቅልጡፍ ወሃብ ድጋፍ ንኸተማ ኒያላ ምቍጽጻሩ ኣፍሊጡ። ምቍጽጻር ንርእሰ-ከተማ ደቡብ ዳርፎር ዝዀነት ኒያላ፡ ሰራዊት ቅልጡፍ ውሃብ ድጋፍ ብዓቢ ይጽንብሎ ምህላዉ ዝገለጸ ዜና ሮይተርስ ብዛዕባኡ ካብ ኣንጻር ወገን ግብረ-መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን።
ብጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት፡ ንዝበዝሕ ወገናት ካርቱም’ውን ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ስለ ዘሎ፡ ከም ቀንዲ መዋፈሪኡ ናብ ፖርት-ሱዳን ይግዕዝ ከም ዘሎ ሮይተርስ ጠቒሱ።
ከተማ ኒያላ ኣብቲ ዞባ ስትራቴጂካዊ ኣገዳስነት ስለ ዘለዋ፡ ኣብ ዙርያኣ ነዊሕ ዝወሰደ ኲናት’ዩ ጸኒሑ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣስታት 670-ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታት ደቡብ ዳርፎር መንበሪታቶም ገዲፎም ምህዳሞም ሮይተርስ ጠቒሱ።
ካልኦት ከተማታት ዳርፎር ንምቍጽጻርን ምዕቃብን ኣብ በበይኑ ወገናት ኲናት ይቕጽል ምህላዉ ተፈሊጡ ኣሎ።
ቅጥዒ