ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘተ ኣብ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ (1ይኽፋል)


ኢትዮጵያ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብዘጋጠሙ ተኸታታሊ ተቓውሞታትን ግጭታትን ሰባት ተቐቲሎም፣ቆሲሎም፣ማእለያ ዘይብሉ ንብረት ዓንዩ ኣማእቲ ኣሽሓት ኢትዮጵያዊያን ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም፤ሰባት ብሰንኪ ብሄራዊ መንነቶም ግዳያት መጥቃዕቲ ኮይኖምን ንብረቶም ዓንዩን።

ብሰንኪ እቲ ቅልውላው ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ካብ መንግስታውን ውድባውን ስልጣኖም ንምውራድ ሕቶ ኣቕሪቦም፣ክልተ ግዜ ህፁጽ ኣዋጅ ግዜ ተኣዊጁ።ከም ውፅኢት መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባትን ጋዜጠኛታትን ሓዊሱ ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ህንፀት ተፈቲሖምን እናተፈትሑን ይርከቡ።

እሞ ናይዞም ኩሎም ምኽንያታት እንታይ እዮም? መፍትሒታቶምከ? ኣብ ዝብሉ ንኣርባዕተ ሰባት ኣዘራሪብና ኣለና።

ኣጋይሽና ወ/ሮ ኣረጋሽ ኣዳነ፣ዶ/ር መሓሪ ረዳኢ፣ጋዜጠኛ ኣታኽልቲ እምባየን ኣቶ ገብረመድህን መዝገበን እዮም።

ወ/ሮ ኣረጋሽ ኣዳነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣባል ኣመራርሓ ተቓዋሚ ውድብ ዓረና/መድረኽ እየን።ካብ ህውሓት ቅድሚ ምብራረን ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህውሓት፣ኣባል ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ፣ዋና ፀሓፊት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ብደረጃ ምንስቴር ኣማኻሪት ቀዳማይ ምንስቴርን ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያን ኮይነን ሰሪሐ።

ዶ/ር መሓሪ ረዳኢ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ፣ቤት ትምህርቲ ሕጊ ተሓባባሪ ፕሮፌሰር ንልዕሊ 24 ዓመታት ዘምሃሩን ኣብዚ ኣብ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ብተደጋጋሚ እናቐረቡ ትንታነ ዝህቡን እዮም።

ነባር ጋዜጠኛ ኣታኽልቲ እምባየ ቅድም ክብል ዋና ኣሰናዳኢ ልሳን ኢህሓት ዝኾነት ጋዜጣ ወይን፣ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ወናኒ ኤጀንሲ ሚዲያን ሕትመትን ፍኖተ ትንሳኤ ኮይኑ፣ብውልቂ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።ኣብ መቐለ ዝመደብራ፣ዋና ኣሰናዳኢ ብትግርኛን ኣምሓርኛን እትሕተም ወርሓዊት መፅሄት ‘’ፍኖተ ሰሜን’’ እውን እዩ።

4ኣቶ ገብረመድህን መዝገበ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣኽሱም ክፍሊ ትምህርቲ ፖለቲካዊ ሳይንስ፣ መምህር ስነ-ዜጋን ፖለቲካዊ ሳይንስን እዩ።

ድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

please wait

No media source currently available

0:00 0:14:42 0:00

XS
SM
MD
LG