ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምርምር ሳይንስ መሪሕ ግደ ዝገበራ ተመራመርቲ ኣፍሪቃ ተሸሊመን


ዩኒቨርሲቲ ፓን-ኣፍሪቃ'ዩ ነቲ ሽልማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳልይዎ

ብርክት ዝበላ ህቡባት ኣፍሪቃውያን ሳይንቲስታት ደቂ-ኣነስትዮ ንምስረታ ሓድሽ ዩኒቨርስቲ ፓን-ኣፍሪቃ ንምዝካር ኣብ ዝተፀወዐ ኣኼባ ተሸሊመን።እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ጨናፍር ክህልዎ‘ዩ ይብል ኣቀባሊና ፒተር ሃይንለይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝላኣኾ ሪፖርት።

ናይ ሎም-ዘበን ሽልማት ክዋሜ ንኩርማህ፣ኣብ ሓድሽ ርኽበትን ሳይንሳዊ ምርምራትን ርኡይ ግደ ነይሩወን ተባሂለን ንዝናኣዳ 7 ደቂ-ኣነስትዮ ተዋሂቡ‘ሎ።ምስ‘ቲ ኣፍልጦ ዐዕስራ ሽሕ ዶላርን ሜዳልያን‘ውን ተቀቢለን‘ለዋ ተዓወቲ።

ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኢትረስያ ፕሪቶርየስ፣ኣብ ውሽጢ ሰባት ምርምር ኤሌክትሮናዊ ማይክሮስኮፕ ብምስራሓ ተሸላሚት‘ያ።ማይክሮስኮፒ ትብል ንሳ ብብዙሓት ሳይንቲስታት ዝተረሰዐ መኣዲ ምርምር‘ዩ‘ውን ትብል።

ፕሪቶርዮስ ኣብ ዝሃበቶ ሪኢቶ ”ቴክኒክ ማይክሮስኮፒ ሓደስቲ ነገራት ንምርካብን ካልእ ነገር ንምርካብን’የ ዝጥቀመሉ።እዚ ኣገባብ‘ዚ፣ሓደ ዓይነት ሕማም ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ቅድሚ ምኻኑ ንምፍላጥ‘ዩ ዝጠቅመና” በለት።

ተመራማሪት ፕሪቶርዮስ፣ገለ ካብ”ቲ ዝተሸለመቶ ገንዘብ፣ነተን ኣብ ዝተወለደትላ ከተማ ዘለዋ ዘኽታማት ደቂ-ኣነስትዮ ኣብ ዘፈር ሳይንስ ንክዕወታ ንምሕጋዝ ከውዕሎ‘የ‘ውን ትብል።

ንሳ ወሲኻ ”ብዙሓት ዘኽታማት ኣዋልድ ኣለዋና።ማእከል እጓለ-ሙታን ድማ ኣብ ጥቃ‘ታ ዝተወለድኩላ ከተማ ፕሪቶርያ ኣሎ።ኣነን ባዓል-ቤተይን፣ኣዋልድ ዕድል ትምህርቲ ዝረኽባሉ ባይታ ክነጣጥሕ እንተንኽእል‘ከ ኢልና ተዘራሪብና‘ለና“ ኢላ።

ካልኦት ተሸለምቲ፣ኣብ ምክልካል ዓሶን ካልኦት ፅግዕተኛ ተሃዋስያን ዝሰርሐት ካሜሩናዊት ሮስ ጋና ፎምባን ሌክ፣ንኪሞቴራፕይ ዝፃወር ዓይነት ካንሰር ንምሕካም ትመራመር ዘላ ግብፃዊት ኢትሓል ኣል-ዲምርዳሽ፣ ኣብ ተላገብቲ ሕማማት መፅናዕቲ ኢፒዲሞሎጂ ትመራመር ካሜሮናዊት ዶሶ ሚርየል፣ኣብ ጨረራዊ ስፔክትሮስኮፒን ክርስታሎጂን ንጡፍ ምርምር ዝገበረት ጓል ኣይቮሪኮስት ኬኮው ያኦ ሪታን፣ ኣብ መወዳእታ ኣብ ርእሲ ዓሶን ፈውሳን ትመራመር ደቡብ ኣፍሪቃዊት ማውሪን ኬትዚን‘የን።

እዘን ሸውዓተ ኣፍሪቃውያን ሳይንቲስታት ነቲ ሽልማት ዝተቀበላ፣ኣብ‘ቲ ኣብ መኣዲ ሳይንስ ጥራሕ ዘተኩርን ኣብ‘ታ ኣህጉር ሓሙሽተ ጨናፍር ዝኸፍትን ሓድሽ ዩኒቨርስቲ ፓን-ኣፍሪቃ‘ዩ።

ንሳይንስ ህዋ ዘፅንዕ ዩኒቨርስቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ንማይን ኤኔርጂን ዘፅንዕ ዩኒቨርስቲ ኣብ ኣልጀርያ፣ንመሰረታዊ ሳይንስ ማለት-ቴክኖሎጂን ምህዞን ዘትኩር ዩኒቨርስቲ ጃሞ ኬንያታ፣ሳይንስ ስነ-ህይወታዊን መርየታዊን ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይጀርያ፣መፅናዕቲ ምሕደራ፣ሰብኣዊነትን ማሕበራዊ ሳይንስን ኣብ ዩኒቨርስቲ ያውንዴ-ካሜሩን ክኸውን‘ዩ።

ዝዓዘዘ በጀት ብኣውሮዻዊ ሕብረት ክሽፈን‘ዩ።ዲፕሎማት‘ቲ ሕብረት ሃርይ ዲባክር፣እቲ ሓሳብ፣ከም‘ቲ ኣብ ኣውሮዻ ዘሎ ኩነታት ንምፍጣርን ተማሃሮ ካብ መላእ ኣፍሪቃ ንምስሓብን‘ዩ ይብሉ።

“ካልእ መዓልቲ ኣብ ዘስመዖ መደረ፣ሚልዮናት ተማሃሮ፣ኣብ ካልእ ሃገራት፣ ካልእ ቋንቋ ኣብ ዝዛረቡ ህዝቢታት ትምህርቶም ተኸታቲሎም ይውድኡ ኣለው ኢለ መደረይ ከምዝዛም ተስፋ ይገብር” ኢሎም ሚስተር ዲባከር።

ኣብ‘ቲ ስርሑ ዝጀመረ ዩኒቨርስቲ ፓን ኣፍሪቃ ተረኺቡ ሪኢቶ ዝሃበ ግብፃዊ ብወገኑ፣መብዛሕትኡ ክፋል ሰሜን ኣፍሪቃ፣ኣብ ፅድያ ዓረብ ኣብ ፖለቲካ ተፀሚዱ ከምዝፀንሐ ብምጥቃስ፣ሎሚ ግና፣ኣፍሪቃ ኣብ ፅድያ ሳይንስን ቴክኖሎጂን‘ዩ ክትፅመድ ዘለዋ በለ።

XS
SM
MD
LG