ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪቃ ኣብ ዓድዋ ክህነፅ እዩ


ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ መሰረት እምኒ ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪቃ ኣብ ዘንበርሉ - ከተማ ዓድዋ
ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ መሰረት እምኒ ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪቃ ኣብ ዘንበርሉ - ከተማ ዓድዋ

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ንምህናፅ ዘኽእል ሰረት እምኒ ትማሊ ኣንቢሮም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም እቲ ዩኒቨርሲቲ ተጋድሎ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ እንተይኰነስ መግዛእቲ መላእ ኣፍሪቃዊያን ንምምሃርን ምምርማርን እውን ዝሕግዝ እዩ ኢሎም፡፡

"ኣብ ኩሎም ሃገራት ዝርከቡ ፀለምቲ ህዝብታትን ትካላት ምርምርን መፅናዕትን ብዛዕባ ዓወት ዓድዋ ሰፊሕ ምርምርን ውፅኢታት መፅናዕትን ዕላዊ እንትገብሩ ሰብ ዋና እቲ ታሪኽ እንተ ንሕና ዓመታዊ በዓል ካብ ምዝካር ዝሓለፈ እዚ እዩ ዝበሃል ስራሕ ኣይሰራሕናን" እውን ኢሎም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ብወገኖም "ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪቃ ዓድዋ ዝተዛበዐ ታሪኽ ኣብ ምእራምን ካብ ኣፍሪቃ ዝተጐሓሉ ሓድግታት ኣብ ምምላስ ክሕግዝ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበረሉ " ዝብል ዘረባ ኣስሚዖም።

ኣብ ጽምብል ምንባር ሰረት እምኒ ንፕረዝደንት ኡጋንዳ ዮወሪ ሙሶቨኒ ሓዊሱ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዩኒቨርሲቲ ፓን ኣፍሪቃ ኣብ ዓድዋ ክህነፅ እዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:42 0:00

XS
SM
MD
LG