ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ቓዛ ምስ ከቢድ ሕጽረት ጾም ሮሞዳን ይጅምሩ


ቓዛ
ቓዛ

ቅዱስ ወርሒ ጾም ሮሞዳን ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ኣልጀሪያ፡ ቱኒዝያን ርእሰ-ምምሕዳር ፍልስጤምን ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓረብ ከም ሞሮኮ፡ ዖማንን ሊብያን ግን ጽባሕ ሰሉስ’ዩ ክጅምር።

ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ብምኽንያት ምጅማር እቲ ቅዱስ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ይፍጸም ኣሎ ንዝበሎ ዘስካሕክሕ ቅትለት ደው ክብል ብምምሕጻን፡ ምጅማር ጾም ሮሞዳን ንድሕነት ሰብኣውነት ኣቐዲሙ፡ ምኽታም ቅትለትን ምጕስቓልን ክኸውን ትምኒቱ ገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ኣብቲ ተጻብኦታት ገና ዘየቋረጸሉ ወሽመጥ ቓዛ፡ ፍልስጤማውያን ብሕጽረት መግቢን መሰረታዊ ቀረባትን ኣብ ዝሽግረሉ እዋን ንጾም ጀሚሮም ኣለዉ። ኣብቲ ሓሙሻይ ወርሑ ዝሓዘ ግጭትን መጥቃዕቲን ቓዛ ልዕሊ 30-ሽሕ ፍልስጤማውያን ምሟቶም ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ከም ዝሕብሮ ዋላ’ኳ ልሙድ ሰዓታት ጾም ሮሞዳን ኣብ ቓዛ እንተ ጀመረ፡ ኲንዮ ኣዝዩ ውሑድ ዕሹግ መግቢ እሞ ንሱ’ውን ብኣዝዩ ክባር፡ ካልእ ስለ ዘየሎ፡ ኣመንቲ ንወርሒ ጾም ብኸቢጽ ጸገም ይጅምሩዎ ምህላዎም ኣመልኪቱ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG