ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ቶኽሲ ጠጠው ንምባል ተሰማሚዖም


ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ምዕራብ እዮሩሳሌም ዝተኣከቡ ፍልስጤማዊያን ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝተበፅሐ ስምምዕ ቶኽሲ ጠጠው ምባል ታሕጓሶም ገሊፆም።ድሕሪ ናይ 11 ማዕልታት ውግእ ኣብ ጋዛ ህድኣት ወሪዱ ኣሎ።ኣብ ጋዛ 65 ቆልዑ ሓዊሱ 230 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው ብመሰረት ሰብስልጣን ጥዕና እቲ ከባቢ።ኣብ እስራኤእ ድማ 12 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው ብመሰረት ሰበስልጣን።

ግብፂ እቲ ግጭት ከብቅዕ ንዘቕረበቶ ሽምምግልና እስራኤልን ሓማስን ምስተቐበሉዎ እቲ ስምምዕ ካብ ድሕሪ ስዓት ጀሚሩ ግብራዊ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ፓኪስታን ደቡባዊ ምዕራብ ክፍለ ግዝኣት ባልቺስታን ሎማዕንቲ ዓርቢ ንፍልጤማዊያን ኣብ ዝድግፍ ሰልፊ ብዝወረደ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ እንተወሓደ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት 14ድማ ከምዝቖሰሉ ሰበስልጣን ገሊፆም።ዒላማ ናይቲ መጥቓዕቲ ናይቲ ከባቢ መራሒ እስላማዊ ፓርቲ ፓኪስታን ከምዝነበሩን ብዘይዝኾነ ጉድኣት ከምዘምለጡን ተፈሊጡ ኣሎ።

ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካላ የለን።

XS
SM
MD
LG