ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ፓኪስታን ጅሆ ንዝተታሕዙ 200 ተጓዓዝቲ ምድሓኑ ገሊጹ


ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ዝደሓኑ
ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ዝደሓኑ

ሓይልታት ጸጥታ ፓኪስታን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዘካየዶ ወታሃደራዊ ስርሒት ካብ ዝተጨውየት ባቡር ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ 190 ሰባት ምድሓኖምን ካብ ጨወይቲ ድማ 30 ምቕታሎምን ኣፍሊጡ።

እታ ኣስታት 450 ተጓዓዝቲ ሒዛ ዝነበረት ባቡር ትማሊ ሰሉስ ብዘጋጠማ መጥቃዕቲ ነታጒን ተዅሲን ደው ንምባል ምግዳዳ ብተወሳኺ ተገሊጹ’ሎ።

ኣብቲ ስርሒት ፈለማ ካብ ዝቖጸሉ መራሒ’ታ ባቡር በቶም ኣጥቃዕቲ ክቕተል እንከሎ፡ ካልኦት 37 ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።

ሰራዊት ናጽነት ባሎች ተባሂሉ ዝፍለጥ ምንቅስቃስ ሓላፍነት እቲ መጥቃዕቲ ወሲዱ፡ ኣባላት ስለያን ጸጥታን’ዮም ዝበሎም 200 ሰባት ጅሆ ምሓዙን’ውን ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ብምሕታት እዚ ምስ ዘይከውን ግን ጅሆ ተታሒዞም ንዘለዉ ክቐትል ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ሰብ-መዚ ፓኪስታን ንጠለባት እቲ ምንቅስቃስ ምላሽ ኣይሃቡን።

ቀ/ሚ ሸባዝ ሸሪፍ፡ "እዚ መጥቃዕቲ ኣብ እዋን ወርሒ ዶም ሮመዳን ምፍጻሙ እቶም ግበረሽበራዊያን ምስ እምነት እስልምና ኰነ ምስ ፓኪስታን ከምኡ’ውን ባሎቺያስን ርክብ ከም ዘይብሎም ዘርኢ’ዩ፡" ኢሎም።

ፓኪስታን ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ናብ ግዝኣት ባሎቺያስን ዝጉዓዛ ባቡራት ንጊዚኡ ደው ምባላ ሓቢራ'ላ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG