ዋሽንግተን —
ሓይልታት ጸጥታ ፓኪስታን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዘካየዶ ወታሃደራዊ ስርሒት ካብ ዝተጨውየት ባቡር ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ 190 ሰባት ምድሓኖምን ካብ ጨወይቲ ድማ 30 ምቕታሎምን ኣፍሊጡ።
እታ ኣስታት 450 ተጓዓዝቲ ሒዛ ዝነበረት ባቡር ትማሊ ሰሉስ ብዘጋጠማ መጥቃዕቲ ነታጒን ተዅሲን ደው ንምባል ምግዳዳ ብተወሳኺ ተገሊጹ’ሎ።
ኣብቲ ስርሒት ፈለማ ካብ ዝቖጸሉ መራሒ’ታ ባቡር በቶም ኣጥቃዕቲ ክቕተል እንከሎ፡ ካልኦት 37 ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም።
ሰራዊት ናጽነት ባሎች ተባሂሉ ዝፍለጥ ምንቅስቃስ ሓላፍነት እቲ መጥቃዕቲ ወሲዱ፡ ኣባላት ስለያን ጸጥታን’ዮም ዝበሎም 200 ሰባት ጅሆ ምሓዙን’ውን ሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝርከቡ እሱራት ፖለቲካ ክፍትሑ ብምሕታት እዚ ምስ ዘይከውን ግን ጅሆ ተታሒዞም ንዘለዉ ክቐትል ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ሰብ-መዚ ፓኪስታን ንጠለባት እቲ ምንቅስቃስ ምላሽ ኣይሃቡን።
ቀ/ሚ ሸባዝ ሸሪፍ፡ "እዚ መጥቃዕቲ ኣብ እዋን ወርሒ ዶም ሮመዳን ምፍጻሙ እቶም ግበረሽበራዊያን ምስ እምነት እስልምና ኰነ ምስ ፓኪስታን ከምኡ’ውን ባሎቺያስን ርክብ ከም ዘይብሎም ዘርኢ’ዩ፡" ኢሎም።
ፓኪስታን ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ ናብ ግዝኣት ባሎቺያስን ዝጉዓዛ ባቡራት ንጊዚኡ ደው ምባላ ሓቢራ'ላ።
ቅጥዒ