ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንምርጫ ኣብ እትዳሎ ዘላ ፖኪስታን፡ መጥቃዕቲ ቦምባ 27 ሰባት ይቐትል


ንሃገራዊ ምርጫ ኣብ እትቀራረብ ዘላ ፓኪስታን ሎሚ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ እታ ሃገር ብዝተፈጸመ ማንታ መጥቃዕቲ ቦምባታት ብውሑዱ 27 ሰባት ሞይቶም፡ ዓሰርተታት ምቝሳሎም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት የሎን። ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ኣውራጃ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ብዝተተኰሰ ቦምባ ሓሙሽተ ሰባት ቀቲሉ ነይሩ’ዩ።

እዚ ናይ ሎሚ ፍንጀራታት ቦምባ ነታ ካብ ጽባሕ ጀሚራ ከባቢ 241 ሚልዮን ህዝባ ናብ ምርጫ ዘምርሕ ዘሎ ደቡብ ኤስያዊት ሃገር ኣብ ሻቕሎት የእትዩዋ ኣሎ። ካብ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ንምውጋድ ከኣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ፖሊስ ኣዋፊራ ንመድመጺ ንቝጣታት ውሕስነት ክትህቦ ምዃና ሰብ-መዚ ይግለጹ ኣለዉ።

ወሃብ-ቃል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ንእዋን ምርጫ ኣብ ዝቀረቡሉ ሰዓታት ኣብ በበይኑ ቦታታት 24 ተርእዮታት ጎንጺን ብረታዊ ተቓውሞን ምምዝጋቡ ጸብጺቡ። እቲ መጥቃዕቲ ኣንጻር ኣባላት ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝዓለመ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG