ዋሽንግተን —
ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ክፍለ ግዝኣት ፑንጃብ ፓኪስታን ብዘጋጠመ ትኪ ሎሚ ረቡዕ ኣብያተ ትምህርቲ ክዓፅዋ ኣዚዛ። እታ ሃገር ምስ ብኽለት ኣየር ትቃለስ ኣብ ዘላትሉ ትምህርቲ ክሳብ 17 ሕዳር ብርሕቐት ወይ ኦንላይን ኣቢሉ ክቕፅል ኣዚዛ ኣላ።
እታ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ፓኪስታን ዝነብሩላ ምምሕዳር ኣቐዲማ ንቀዳማይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርት ብምዕፃውን ሰለስተ እግረን ባጃጅ ጠጠው ክብላን ከምኡ እውን ገለ ኣብያተ መግቢ ክዕፀው ኣዚዛ ጸኒሓ'ያ።
ቅጥዒ