ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ፓኪስታን ልዕሊ 4-ሽሕ ደገፍቲ ኢምራን ኻን ኣሲሩ


ደገፍቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኢምራን ኻን
ደገፍቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኢምራን ኻን

ፖሊስ ፓኪስታን፡ ክልከላ ኣብ ዘንበረሉ እዋን፡ ንምፍታሕ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኢምራን ኻን ዝጠልቡ ልዕሊ 10-ሽሕ ተሰለፍቲ ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ካብኣቶም ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ምእሳሩ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣመልኪቱ። ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኻን፡ ንልዕሊ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ኰይኑ፡ ብ150 ገበናት ተኸሲሱ ኣሎ። ደገፍቱ፡ እቲ ክስታት ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎ ብምባል ይነጽጉዎ።

ነቲ ዝመጽእ ሰለማዊ ሰልፊ ንምዕጋት፡ ፖሊስ እታ ሃገር ካብ ቀዳም ጀሚሩ ናብ ኢሳላማባድ ዘእቱ ቀንዲ መስመራት ጽርግያን እንኮላይ መጓዓዝያ ማይን ዓጽዩ’ዩ። ደገፍቲ ኻን ናብ ኢስላማባድ ዘቕንዑ ዘለዉ፡ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ናብ ኢስላማባድ ንምብጻሕ ኣብ ዝተመደበሉ እዋን’ዩ።

ደገፍቲ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሎም ዝወዳደቡ ኰይኖም፡ ነቲ መልእኽታት ንቝራጽ ኣብቲ ኣስጋኢ ዝብሎ ኣከባቢ ናይ ኣገልግሎት ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን እገዳ ምግባሩ እቲ ዜና ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG