ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓኪስታን -- ደገፍቲ ቀ/ሚ ነበር ናብ ኢስላማባድ ይምርሹ፡ ብውሑዱ 6 ሰባት ሞይቶም


ደገፍቲ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ቀ/ሚ ፓኪስታን ነበር ኢምራን ኻን
ደገፍቲ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ቀ/ሚ ፓኪስታን ነበር ኢምራን ኻን

ንምፍታሕ ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ነበር ኢምራን ኻን ድፍኢት ክግበሩ ናብ ርእሰ-ከተማ ኢስላማባድ ዝምርሹ ዘለዉ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተሰለፍቲ፡ ንቐንዲ መስመራት ጽርግያን መተሓላለፊ ማይን ዓጽዮም ኣለዉ።

ኣብ መንጎ’ቶም ተሰለፍቲን ሓይሊ ፖሊስን ብዝተገብረ ጎንጺ፡ ኣርባዕተ ኣባላት ጸጥታ ዝርከቦም ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ምሟቶም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ናብታ ሃገር ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ ፕረዚደንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሸንኮ ካብቲ ተቓውሞ ንምድሓን ኣብ ክሉል ስፍራ ጥራይ ተሓጺሩ ምህላዉ ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ይሕብር።

ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝን ካልእ መፈራርሒ ኣገባባትን ተጠቒሙ ነቲ ተቓውሞ ክብትን ፈቲኑ፡ ተሰለፍቲ ግን ኻን ክሳብ ዝፍታሕ ድምጺ ጥይት ከም ዘይፍርሖም ይገልጹ ኣለዉ።

ኢምራን ኻን ብልዕሊ 150 ገበናዊ ክስታት፡ ንልዕሊ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ’ዩ ዝርከብ። ደገፍቱ ግን ፖለቲካዊ ድፍኢት ዘለዎ እዩ ክብሉ ነቲ ክስታት ይነጽጉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG