ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንቢን ላዲን ዝቐተለ ስርሒት ሓባራዊ ኣይነበረን-ፓኪስታን


ምስ ዩ.ኤስ ዝጸነሓና ናይ ዓመታት ምትሕብባር ዓቢይ ስግኣት ሲቪላዊ ዓለም ንኽነወግድ ኣኽኢሉና`ዩ ይብሉ ፕረዚደንት ፓኪስታን

ፓኪስታን፡ ንኣሸበርቲ ኣብ ምህዳን ብዕቱብ ኣይሰረሐትን ንዝብል ነቔፈታ ዝነጽጉ ፕረሲደንት ዛርዳሪ፡ ፓኪስታን ነቲ ኣብ ጉዳይ ስለያ ምስ ኣመሪካ ዝተሓባበረ ኣባል ኣልቃዒዳ ኣብ ምልላዩ ከምዝተሓጋገዘት ገሊጾም።

ናይ ፓኪስታን ፕረሲደንት ዝነበሩ ፐርፔዝ ሙሻራፍ ብወገኖም፡ ቢን ላዲን ክሳብ ሕጂ ከይተታሕዘ ምጽንሑ፡ እቲ ድኽመት ናይ ሲ-ኣይ-ኤ`ውን ኢዩ ኢሎም።

ገለ ፓኪስታናውያን፡ ኣመሪካ ከምኡ ዓይነት ስርሒት ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ምውሳዳ ኣቖጢዕዎም ኣሎ። ሕጂ ዖሳማ ቢን ላዲን ስለዝተቐተለ፡ ወተሃደራት ዩ.ኤስ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጹ`ውን ይሓቱ`ለዉ።

ብኻልእ ዜና፡ ቻይና፡ ንቕትለት ቢን-ላዲን ድሕሪ ምሙጋስ፡ ፓኪስታን ኣብ ምርካብ ቢን ላዲን ኣይተሓባበረትን ንዝብል ነቔፈታ ነጺጋቶ`ላ።

ኢትዮጵያ ድማ፡ ነቲ ስርሒት ብምንኣድ መግለጺ ኣውጺኣ`ላ። “ንሕና`ውን ግዳያት ዝተፈላለየ ሽበራ ስለዝኾና፡ እዚ ምዕባለ`ዚ ብህዝቢ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ኣለዎ”፡

ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG