ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓኪስታን ሃገራዊ ምርጫ ተካይድ - ውጽኢት ግን ተዳናጉዪ'ሎ


ኣብ ፓኪስታን ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ በቲ ተኣሲሩ ዘሎን ቀዳማይ ሚንስተር ዝነበረን ኢምራን ኻን ዝድገፉ ናጻ ሕጹያት ይመርሑ ምህላዎም ዝመጻና ዜና ሓቢሩ።

ኮሚሽን ምርጫ`ታ ሃገር ናይ ኢምራን ኻን ፓርቲ ዝኾነ "ተሕሪቕ ኣል ኢንሳፍ" ዝድገፎም ሕጹያት፡ ፡ካብ መንጎ ዘሎ 200 መናብር 85 መናብር ክዕወቱ ክኢሎም ኣለዉ። እዚ ውጽኢት`ዚ ድማ ምስቲ ብደገፍቲ ኻንን ሃገራዊ ቦርድ ምርጫን ክቐርብ ዝጸንሐ ምድንጋር ከይህሉ ዝብል ርእይቶ፡ ትጽቢት ዘይተገብረሉ`ዩ።

ብናዋዝ ሸሪፍ ዝምራሕ ሰለስተ ግዜ ቀዳማይ ሚንስተር ዝኾነሉ ፓኪስታን ሞስሊም ኪግ ፓርቲ 59 መናብር ጥራይ `ዩ ክረክብ ክኢሉ'ሎ። ዝተረፈ 66 መናብር መን ወሰደ ዝብል ገና ስለ ዘይተፈልጠ ግን፡ ዝኾነ ፓርቲ ዓወት ንምእዋጅ ገና ግዜኡ ኣይኣኸለን።

እቲ ትማሊ ሓሙስ ዝተኻየደ ምርጫ ኣገልግሎታት ተንቀሳቓሲ ተለፎናትን ኢንተርነትን ጠጠው ኣብ ዝበለሉ እዋን`ዩ፡ ብእኡ መሰረት ድማ ተኣማንነት`ቲ ውጽኢት ናብ ሕቶ ክቐርብ ጸኒሑ`ዩ።

ፓኪስታን 190 ሚልየን ተጠቀምቲ ተንቀሳቓሲ ተለፎናት ኣለዉዋ፡128 ሚልየን ካብኦም ድማ ኣብ ተለፎናቶም ኣገልግሎት ዳታ ወይ ኢንተርነት ዘለዎም`ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG