ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓኪስታን:ነፈርቲ ውግእ ኣፍጋኒስታን ብዘካየድዎ መጥቓዕቲ 50 ሰባት ሞይቶም


ካንዱዝ
ካንዱዝ

ሕቡራት ሃገራት ታሊባን ኣብ ዝቆፃፀሮ ክፍለ ግዝኣት ሰሜናዊ ካንዱዝ ፓኪስታን ብነፈርቲ ውግእ ኣፍጋኒስታን ንዝተፈፀመ ከቢድ ጉድኣት ዘስዓበ መጥቓዕቲ ምርመራ ከምዝካየድ ገሊፁ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ቆልዑት ዝርከቡዎም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ግዳያት ሎማ ሰሉስ ከምዝቐበሩ ንጋዜጠኛታት ገሊፆም።ሓይሊ ኣየር ኣፍጋኒስታን ማድራሳታት ይሳተፍሉ ንዝነበረ ሃይማኖታዊ ሰሚናር ምድብዳበን እውን ሓቢሮም።

ከባቢያዊ ማዕኸናት ዜና በቲ ደብዳብ ልዕሊ 50 ሰባት ምማቶምን ካልኦት ኣስታት 150 ድማ ምቑሳሎምን ሓቢረን ኣለዋ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ወኪል ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ዝርብሽ ፀብፃብ ብዕቱብ ንሪኦ ኣለና ክብል ብናይ ቲዊተር መልእኽቱ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ሚንስትር ምክልኻል እታ ሃገር መሓመድ ራድማንሽ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ ንትሕዝቶታት ፀላኢ ዒላማ ዝገበረን ወፃእተኛታት ዝርከቡዎም ን18 ላዕለዎት ኣዘዝቲ ታሊባን ከምዝቐተለ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG