ፓኪስታን ኣብ ሃገራ ዝርከቡ መንበሪ ወረቐት ዘይብሎም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ብወለንተኦም ክወፁ ንሓደ ወርሒ ዝፀንሐ ናይ ጊዜ ገደብ ትማሊ ረቡዕ 1 ሕዳር 2023 ምውድኡ ስዒቡ ን1.7 ሚልዮን ኣፍጋናዊያን ሓዊሱ ክትሰጉግ ጀሚራ።
ሰበስልጣናን ኣስታት 250,000 ኣፍጋናውያን ማእሰርቲን ብሓይሊ ምስጓግን ፈሪሖም ቅድሚ 1 ሕዳር ናብ ሃገሮም ተመሊሶም እዮም ።
ከም ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራትን ሰበስልጣን ፓኪስታንን ሕጂ ክስጎጉ ዝፅበዩ ዘለው ልዕሊ 600,000 ዝኾኑ ኣፍጋናውያን ኣብ 2021 ኣመሪካን ኔቶን ሰራዊቶም ካብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዘውፅእሉን ጣሊባን ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱን ካብታ ሃገር ሃዲሞም ዝወፁ እዮም።
እቶም ሓተቲ ዑቑባ በቲ ኩነታት ሕጉሳት ዘይምዃኖምን እንተወሓደ መንግስቲ ጊዜ ክህቦምን ብስሩዕ ኣገባብ ክወጹ ከምዝግባእን ይገልፁ።
ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ነቶም ንኽልተ ዓሰርተ ዓመታት ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ምስኦም ዝሰርሑ ዝነበሩን ሓለዋ ዘድልዮምን ቅጥዒ ዘማልኡን ብውሑዱ 25,000 ኣፍጋናውያን ብፍሉይ መደብ ኢሚግሬሽን ናብ ኣመሪካ ንምግዓዝ ምስ ፓኪስታናውያን መዘናታቶም ይሰርሑ ምህላዎም ይገልፁ።
ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፓኪስታን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኢስላማባድ ብርኡይ ዘየሰማምዕ ነጥቢ ነቲ ዝርዝር ከምዝነፀጎ ሓቢሮም። ጣሊባን ግን ነቲ ተመለስቲ ዝኸውን ኣብ ሸነኽ ዶብ ኣፍጋኒስታን ግዝያዊ መዕቆቢ ኣዳልዩ ከምዘሎ ይሕብር።
ፓኪስታን ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ኣፍጋናውያን ስደተኛታት ካብ ወራር ሶቭየት ጀሚሩ ብምትእንጋዳ ዓለምለኻዊ ናእዳ ረኺባትሉ እያ።
ቅጥዒ