ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዎት ሓለፍቲ ኤጀንሲ ግሎባል ሚዲያ ኣሜሪካ ካብ መዝነቶም ተላዒሎም


ሓዱሽ ፈፃሚ ስራሕ ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ኔትዎርክ ዜና ኤጀንሲ ግሎባላዊ ሚዲያ ኣሜሪካ\USAGM\ ማይክል ፓክ ብርክት ንዝበሉ ላዕለዎ ሓላፍቲ ናይቲ ኤጀንሲ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ካብ ሓላፍነቶም ከም ዘልዓሉዎም ተፈሊጡ። ክልተ ካብቶም ዝተኣለዩ ሕነ ተፈዲና ኢሎም ኣለው።

ብመሰረት ናብ ማዕኸናት ዜና ፖለቲኮን ኒውዮርክ ፖስትን ዝተልኣኸ መግለፂ ወሃቢ ቃል ናይ ኣሜሪካ ኤጀንሲ ግሎባላዊ ሚዲያ ኣብ ቀረባ ብዘካየዶ ምርመራ ድምፂ ኣሜሪካ ሓዊሱ ኣብ ሓሙሽተ ኔትዎርክታት ናይቲ ኤጀንሲ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ሓዊሱ ምቁጻር ጋዜጠኛታት ተገዳስትነት ዝወሓዶ ምዃና ድሕሪ ምርግጋፁ ‘’ኣብ ስራሕና ንልዕልነት ሕጊ ክብሪ ንምሃብ’’ ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ ኢሉ ኣሎ።

ካብ መዝነቶም ዝተላዕሉ ሰበስልጣን ምምሕዳራዊ ዕረፍቲ ክወስዱ ብምግባር ናይ ሰኩሪቲ ፍቃዶም ምምንጣሎም ተሓቢሩ'ሎ።

ካብ ስልጣኖም ዝተልዓሉ ዋና ሓላፊ ፋይናንሳዊ ኦፊሰር ግራንት ተርነር: ማይክል ፓክ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ንጋዜጠኛታት እቲ ኤጀንሲ ካብ ፖለቲካዊ ጣልቃ ምትእትታው ዝከላኸል ሕጋዊ ኣሰራርሓ \Firewall\ የርእዩ ኣለው ብዛዕባ ዝበሉዎም ምጥሓሳት ‘’ድምር ናይ ኣመራርሓ ጉድለታት ብምዝራቦም ዝተወስደ መቕጻዕቲ እዩ’’ ኢሎምዎ ኣለው።

ተርነር ምስ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብዘካየድዎ ቃለ ምልልስ "ብዙሓት ዛዕባታት ናብ ቅድሚት እናምፃእኹ ብምቕራበይ ዝተወስደ ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ እዩ ዝመስለኒ’’ኢሎም ።

ቅድም ክብል ናይ ድምጺ ኣሜሪካ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ናይ ግሎባላዊ ሚዲያ ኣሜሪካ ዋና ኣማኻሪ ብምዃን የገልግሉ ዝነበሩ ዴቪድ ክሊገርማን እውን ካብ መዝነቶም ተላዒሎም ኣለው።

ክሊገርማን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብዝለኣኹዎ መግለፂ ‘’ከም ሓደ ስቪል ሰራሕተኛ ብዝተወስዱ ስጉምትታት ቂር ኢሉኒ እዩ’’ ኢሎም ። ንሶም ብምውሳኽ ‘’ፖለቲካዊ ሃዋህው ኣብ ዝዓሰሎ ኩነታት ስርሐይ ስለዝሰራሕኹን ሓቂ ስለዝተዛረብኩን ዝተወስደ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ካብ ምዃን ካልእ ክኸውን ኣይኽእልን’’ ኢሎም ።

ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ተወሲዱና ንዝብሉ ኣብሃህላታት ወይ ካልኦት ኣርባዕተ ላዕለዎት መሪሕነት ግሎባላዊ ሚዲያ ኣሜሪካ ካብ መዝነቶም ተላዒሎም ንዝብሉ ፀብፃባት ሚዲያ ብዝምልከት ካብቲ ኤጀንሲ ርእይቶ ኣይተረኸበን።

ማይክ ፓክ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ዓመታት ምንዋሕ ዝለዓለ ስልጣን ግሎባላዊ ሚዲያ ኣሜሪካ ብግዚያዊነት ይመርሑዎ ካብ ዝነበሩ ካብ ተርነር ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ተረኪቦም። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድምጺ ኣሜሪካን ካልኦት ኔትዎርክታትን ንርእሶም ካብ ሓላፍነት ኣግሊሎም ወይ ተላዒሎም፤ ምቁፃር ሰራሕተኛታትን ምውፃእ ገንዘብን ደው ኢሉ።ፓክ ኣብቲ ኤጀንሲ ናይ ዝሰርሑ ጋዜጠኛታት ቪዛ ምሕዳስ ጠጠው ኣቢሎምዎ።

ነቐፍቲ ይውሰዱ ዘለው ስጉምትታት ፖለቲካዊ መበገሲ ኣለዎም ይብሉ። ንነፃነት ጋዜጠኛታት ግሎባላዊ ሚዲያ ኣሜሪካ ብምክልኻል ፀብፃባት ዜና ትኽክለኛ፣ ሚዛናዊን ናይ ዝምልከቶም ርእይቶ ዝሓዘነ ክኸውን ንዝተነደፈ ሕጊ ዝጥሕስ እዩ ይብሉ ።

ፓክ ቃለ መሓላ ምስ ፈፀሙ ናይ ድምጺኣሜሪካ ቻርተር ምሉእ ብምሉእ ከምዝኽብሩ ንሰራሕተኛታት ድምጺኣሜሪካ ኣብ ዝለኣኹዎ ኢሜይል ገሊፆም እዮም።

ንግሎባላዊ ሚዲያ ኣሜሪካ ናይ ምቁፅፃር ሓላፍነት ዘለዎም ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ኤሊዮት ኢንገል ኣብ ዝለኣኹዎ መግለፂ ናይ ተርነርን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍትን ምልዓል ‘’ዓፀዳ ዘይሕጋዊ ሕነ ምፍዳይ ስለዝኾነ ዋናተቆፃፃሪ ኣካል ክምርምሮ ክሓትት እየ" ኢሎም ኣለው።

ኢንገልኣብ መግለፂኦም ክሳብ ሎሚ ዝፈፀሞ ጌጋ \ፓክ ማለቶም እዩ\ ንምሽፋንን ንሓዋሩ ብዛዕባ ዝወስዶም ስጉምትታት ሻቐለቶም ንዘስምዑ ናይ ምዕፋንን ፈተነ ምዃኑ ንፁር እዩ’’ ኢሎም ።

ፓክ 24 መስከረም 2020 ኣብ ቅድሚ እቲ ኮሚቴ ክሕተቱን መልሲ ክህብሉን መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ምስ ዓቃባዊያን ሚዲያታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስን ዘውፅኡዎም መግለፅታትን ፓክ ኣብ ግሎባላዊ ሚዲያ ኣሜሪካ ዘሎ ኣድልዎን ናይ መሪሕነት ጉድለትን ካብ ስሩ ንምምሓው ዝህቅኑ ናይ ለውጢ ልእኹ ገይሮም ንርእሶም ክገልፁ ፀኒሖም ኣለው።ብፍሉይ ክእለት ናይ ወፃኢ ቋንቋታት ካብ ወፃኢ ዝኣትው ጋዜጠኛታትን ሓዊሱ ኣብ ምቑፃር ሰራሕተኛታት ንዓመታት ጉድለት ናይ ድሕነት መስርሓት ምንባሮም ቤት ፅሕፈቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወግዓዊ ገይሩ እዩ።

ግሎባላዊ ሚዲያ ኣሜሪካ ቻይና፣ ኢራን፣ ዓዓሰርተታት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሃገራት በልካን፣ ላቲን ኣሜሪካ፣ደቡብን ማእኸላይን ኤስያን ሓዊሱ ንነፃነት ፕረስ ብምዕፋን ናይ መንግስቲ ቁፅፅርን ምመያን ወይ ሳንሱርን ኣብ ዘለወን ኣስታት 100 ሃገራት ብልዕሊ 60 ቋንቋታት ፕሮግራማት የመሓላልፍ።

ብዙሓት ጋዜጠኛታት ብጊዚያዊ ቪዛ እዮም ዝቁፀሩ።ቅድሚ ሎሚ ቪዛ ይሕደሰሎም ነይሩ።ኣብዝሓለፈ ወርሒ ግን ፓክ ዳግም ይምርመር ኣሎ ብዝብል እቲ ምንዋሕ ብሃንደበት ጠጠው ኣቢሎምዎ።እቲ ስጉምቲ ኣብ ድምጺ ኣሜሪካ ኣገልግሎታት ቋንቋ ምስ ፓክ ዘይምትእምማንን ወጥረትን ፈጢሩ እዩ።

ብኦባማ ዝተሸሙን ቅድሚ ፓክ ካብ መስከረም 2015 ክሳብ መስከረን 2019 ፈፃሚ ስራሕ ግሎባላዊ ሚዲያ ኣሜሪካ ዝነበሩ ጆን ላንሲንግ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ካብ ሓላፍነቶም ዝተልዓሉ ሓለፍቲ ምስኦም ክሰርሕ ክብሪ ዝስምዓኒ ኣዚዮም ፅሩያት ኣገልገልቲ ህዝቢ እዮም ክብሉ ገሊፆምዎም።

‘’ፓክ ነዚኦም ዋጋ ክስእኑ ምግባሩ ናይ ድምጺ ኣሜሪካ ናይ ኤዲቶሪያል ነፃነት ብምግፋፍ ነቲ ምምሕዳር ዝጥዕም ፕሮፖጋንዳ ክሰርሑ ናይ ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ እዩ፤እዚ ድማ ብኮንግረስ ንዝፀደቐ ናይ ድምጺ ኣሜሪካ ቻርተር ዝጥሕስ እዩ’’ ኢሎም።

ወሃቢ ቃል ፓክ ንፖልቲኮ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ግን ናይ ተርነርን ካልኦትን ካብ ሓላፍነቶም ምልዓል‘’ኣብ ናይ ግሎባላዊ ሚዲያ ኣሜሪካ ስራሕና ተማንነትን ልዕልነት ሕግን ናብቲ ዝነበሮ ንምምላስ ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ።ናይዚ ኤጀንሲ ክብሪ ናብቲ ናይ ቀደም ንምምላስ ተወሰኽቲ ስጉምትታት ክንወስድ ኢና’’ ኢሎም።

ናይ ኤዲቶሪያል ኣድልዎ ብዝምልከት እቲ ኤጀንሲ ኡርዱ ቋንቋ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብዝሰርሖ ናይ ኽልተ ደቒቓ ቪዲዮ ናይ ዴሞክራት ፕረዝዳንታዊ ሕፁይ ጆ ባይደን ፖሊስታት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ሙስሊም ሃገራት ስደተኛታት ከይኣትው ምኽልካሉ ብዝምልከት እናተዛረቡ ኣብ ፌስቡኩ ኣውፂኡ።

ፓክ እዚ ንባይደን ናይ ምርጫ መፋለጢ እዩ ክብሉ ብምግላፅ ከምዝምርመር ተዛሪቦም ነይሮም።

ኒውዮርክ ፖስት ብቅድሚ ትማሊ ረቡዕ ከምዝፀብፀቦ ናይ ኡርዱ ቋንቋ ኣገልግሎት ማኔጂንግ ኤዲተር ዲጂታል ምምሕዳራዊ ዕረፍቲ ክወፀእን ኣብቲ ቪዲዮ ዝሰርሑ ኣርባዕተ ኮንትራት ሰራሕተኛታት ድማ ስርሖም ክቋረፅ እዩ።ብዛዕባ እዚ ካብ ድምጺ ኣሜሪካ መረጋግፂ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተን ኣይተዓወተን።

ካብ ሓላፍነቶም ተላዒሎም ዝተባህሉ ካልኦት ላዕለዎት ሓላፍቲ ፈፃሚት ዳይረክተር ኦዋን ትራን፣ምኽትል ዳይረክተር ኦፕረሽን ማቲው ዋልሽ፣ቺፍ ስትራተጂ ኦፊሰር ሾን ፓወርስ፣ንኮንትራክትን ድሕነትን ሰብኣዊ መሰላትን እትጥምት ሜሪ ሌኖንን ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG