ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣክሰስ ሪልስቴት መስራትን ኣቦ-መንበር እቲ ቦርድ ዝነበሩን ኣቶ ኤርሚያስ ኣመልጋ ተኣሲሮም


ኣቶ ኤርሚያስ ኣመልጋ መስራትን ኣቦ-መንበር ኣክሰስ ሪልስቴት
ኣቶ ኤርሚያስ ኣመልጋ መስራትን ኣቦ-መንበር ኣክሰስ ሪልስቴት

ኣብዚ ሰሙን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝተኣከቡ መንበሪ ገዛ ንምዕዳግ ገንዘቦም ዘውጽኡ ውልቀ-ሰባት መንግስቲ መፍትሒ ኣብ ምሃብ ይኹን ሕጋዊ ስጉምቲ ኣብ ምውሳዱ ዝሕታለ ኣርእዩ ኢሎም።

ኣቶ ኤርሚያስ ኣመልጋ ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ካብ ወጻኢ ሃገር ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝምለሱ ድሕሪ ሓደ ዓመት እዩ።ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብ ሃገር ክወጹ ከለው ኣክሰስ ሪልስቴት ገንዘብ ተቐቢሉ ክሃንጾም ቃል ካብ ዝኣተዎም ኣባይቲ ዋላ ሓደ እውን ሰሪሑ ኣይረከበን ብዝብል ተከሲሶም ኔሮም።

ኣስታት 1.4 ቢሊዮን ቕርሺ ዝኸፈሉ 2,500 ዜጋታት ኣቶ ኤርሚያስ ብውዕል መሰረት ገዛውቲ ሰሪሖም ብዘይምርካቦምን መንግስቲ ድማ ሕጊ ስለዘየኽበረን ሓላፍነት ክወስዱ ኣለዎም ክብሉ ስምዕታ ኣቕሪቦም።

ብመራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ዓዲ ዝተጠቐሰ ፖሊስ ፌደራል ኣቶ ኤርሚያስ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒሎም ኣለዉ ፖሊስ ድማ ምርመራ ይካየድ ኣሎ ኢሉ።

ብቕድሚ ትማሊ ንዝተኻየደ ኣኼባ ዝመርሑ ኣብ ፓርላማ ኢትዮጵያ ተጸዋዒ መንግስቲ ኣቶ ኣስመላሽ ወልደስላሴ፣ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኣባይትን ኣቶ መኩሪያ ሃይሌን ሚኒስትር ፍትሒ ኣቶ ጌታቸው እምባየን ኣቶ ኤርሚያስ ብሕጊ ከምዝሕተቱ ግልጺ ገይሮም ኔሮም።

ኣቶ ኤርሚያስ ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ከለው ናይ ዘይምእሳር ሓለዋ ተዋሂቡዎም ነይሩ ብዝብል በገለ ኣካላት ዝወሃብ ሓበሬታ ትኽክል ከምዘይኮነ ሚኒስትር ፍትሒ ኣቶ ጌታቸው ኣምባየ ኣብቲ ኣኼባ ተዛሪቦም።

ገዛውቲ ብምስራሕን ኣብ ምሻጥ ዝተዋፈሩ ትካላት ሪልስቴት ብዝምልከት ሕጊ ከምዘይነበረ ዝገለጹ ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኣባይትን ኣቶ መኩሪያ እዚ ናይ ሎሚ ጸገም ንዝመጽእ ጊዜ ሕጊ ከምዝወጽእ ኣረጋጊጾም ኣለው።

ብተወሳኺ ንሶም ገንዘብ ዝኸፈሉ መንበሪ ገዛ ዝረኽብሉ መስርሕ ከምዝሳለጥ እውን ኣፍሊጦም ኣለው።ማሕበር ኣክሰስ ሪል ስቴት እውን ጭቡጥ ምንቅስቓስ ክገብር ናይ ክልተ ሰሙናት ገደብ ግዜ ተዋሂቡዎ’ሎ ።

XS
SM
MD
LG