ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦሃዮ -- ንሀይሻውያን ስደተኛታት ንምሕላው ፖሊስ ይዋፈሩ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ይባድማ


ኦሃዮ -- ንሀይሻውያን ስደተኛታት ንምሕላው ፖሊስ ይዋፈሩ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ይባድማ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:46 0:00

ኦሃዮ -- ንሀይሻውያን ስደተኛታት ንምሕላው ፖሊስ ይዋፈሩ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ይባድማ

ካብ ሀይቲ ዝተሰደዱ ነበርቲ ሓንቲ ከተማ ኦሃዮኣመሪካ፡ ስደተኛታት ከልብን ድሙን ይበልዑ`ዮም ዝብል ዝተናፈሰ ናይ ሓሶት ወረ ምስቶም ደቂ ዓዲ ኣብ ምስሕሓብ ኣእትዩዎም ኣሎ።

ኣብ ከተማ ስፕሪንግፊልድ ኦሃዮ ዝርከቡ ስደተኛታት ሀይቲ ናይ ነበርቲ ደማሙን ኣኽላባትን ይበልዑ`ዮም ተባሂሎም ድሕሪ ምኽሳሶም ብደረጃ ኣመሪካ ዓቢይ ዜና ኮይኑ`ዩ ቀንዩ`ሎ። ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝወጸ ጠቐነ ብሪፓብሊካን ምኽትል ሕጹይ ፕረዚደንት ጀይ ዲ ቫንስ ድሕሪ ምቅልሑ፡ ፕረዚደንት- ነበር ዶናልድ ትራምፕ`ውን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ደጊምዎ፡ ድሕሪኡ ግን ቁጠዐ ወሊዑ።

ኣብ ኦሃዮ ዝነብሩ ከም ክሊዮ ፓራሰን ዝበሉ ግን ነቲ ጠቐነ ብትሪ ይነጽግዎ። “ እቲ ከምኡ ዝብል ዘረባ ኣብ ኢንተርነት`የ ርእየዮ። ሰባት`ውን ብዛዕባ ሕማቕ ስነ-ምግባር ስደተኛታት ሀይቲ ክዛረቡ ሰሚዐ። ግን ብርግጽ መረዳእታ ዘይብሉ ጠቐነ`ዩ" ይብል።

ሽሕ`ኳ ሰበ-ስልጣን`ታ ከተማ እቶም ስደተኛታት ድሙን ከልብን ይብልዑ`ዮም ዝብል መረጋገጺ የብሉን እንተበሉ፡ እቲ ሕሜታ ግን ክሳብ ምፍርራሕ ነታጒ፡ ምዕጻው ቤት ትምህርቲ፡ ከምኡ ንህይወት ሀይቲያውያን ብኣሉታ ተንኪፉ`ዩ።

ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየ ስደተኛ ሀይቲ ሓደ በቲ ወረ ዝሓረቐ ዜጋ ካራ ከም ዘውጽኣሉ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ`ዩ።

“ ተለፎን ተደዊሉኒ ንደገ ምስ ወጻኹ፡ ምስ ዓርከይ ኣብ ጥቓ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ጠጠው ኢልና ከለና፡ ዋና ናይ`ታ ትራክ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም ኢሉና። ንሕና ድማ ነዕልል ኣለና ኢልናዮ። ንሱ ግን `ንስኻትኩም ሀይትያውያን.... “ ኢሉ ተጻሪፉ, ጸኒሑ ካራ ኣውጺኡ ኣፈራሪሑና “ ይብል።

ኣካያዲ ስራሕ ከተማ ስፕሪንግፊልድ ዝኾነ ብራያን ሀክ፡ ብግጉይ ሓበሬታ ዝተጠምዘዘ ኣተሓሳስባ ዘሕዝን`ዩ ይብል።

"ስፕሪንግፊልድ ብዙሕ ኣወንታዊ ገጽ ዘለዋ ፉሕ ፉሕ ትብል ከተማ`ያ። ብናይ ሓሶት ወረ ዝተበገሰ ኣረዳድኣ ነታ ከተማ ክምርዛ ክትርኢ ዘሕዝን`ዩ። ንፖለቲካዊ ረብሓ ተባሂሉ ዝቃላሕ ድማ ካልእ ጸገም ይፈጥር ኣሎ” ይብል።

እቲ ናይ ስደተኛታት ጉዳይ ዝተሓላለኸ`ዩ፡ ካብ ምብላዕ ድሙን ከልብን ዝብል ጠቐነ`ውን ዝሓለፈ`ዩ። ኣብ እታ 60-ሽሕ ነበርቲ ዘለውዋ ንእሽቶ ከተማ ስፕሪንግፊልድ ኦሃዮ፡ ልዕሊ 15-ሽሕ ስደተኛታት ሀይቲ ይነብሩ። ሞንተ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ነባሪ`ታ ከተማ፡ ሀይቲያውያን ንኣመሪካውያን ኣብ ዕድላት ስራሕ ይጫረትዎም ኣለዉ ይብል።

“ ዕድላት ስራሕ ይውሰዱልና`ለዉ። እዞም ኣብዛ ፋብሪካ ዘለዉ ብደቂ ሀይቲ ተታሒዞም ዘለዉ 50 ዕድላት ስራሕ፡ በቶም ስራሕ ዘይብሎም 50 ኣመሪካውያን ምተታሕዙ ኔሮም። እዞም ሀይቲያውያን ግን ሒዞሞ ኣለዉ። ስለዚ 50 ኣመሪካውያን ስራሕ ስኢኖም ኣለዉ ማለት`ዩ “ ይብል።

ኤርነስት ድማ ኣብ ሓደ ድኳን ወኪል ኣገልግሎት ዓማዊል `ዩ። ልዕሊ 70 % ዓማዊሉ ደቂ ሀይቲ ምዃኖም ይገልጽ። ዋሕዚ ስደተኛታት ሀይቲ ድማ ምስ`ቶም ነበርቲ ገለ ግጭታት ከም ዝፈጠረ ይገልጽ።

“እዚኣ ንእሽቶ ከተማ`ያ። ኣብ ገለ ከባብታት ዘለዉ ሰባት ኣተሓሳስብኦም ጸቢብ`ዩ። ስለዚ ከመይ ከም ዝስምዖም እፈልጥ`የ። ከምኡ`ውን ሰባት ኣብ ነንሕድሕዶም ዘሎ ባህሊ ርድኢት ስለዝጎድሎም`ዩ" ይብል።

ካብ ፍሎሪዳ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ናብ ስፕሪንግፊልድ ዝቐየረ ሓደ ስደተኛ ድማ ምፍርራሕ ከም ዝወረዶ ይገልጽ፡ ሕጂ ንሱ ኣቑሑቱ ጠርኒፉ ካብታ ከተማ ክወጽእ ይዳሎ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG