ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኲናት ኣብ ዝተሃሰየት ሱዳን ልዕሊ 30 ሚሊዮን ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ከምዘለው ሕ/ሃገራት ገሊጹ


 ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ሱዳናዊያን 10 ሓምለ 2024 - ፋይል
ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ሱዳናዊያን 10 ሓምለ 2024 - ፋይል

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ድሕሪ ናይ 20 ኣዋርሕ ኲናት ልዕሊ ፍርቂ ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 30 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ከም ዘድልዮም ሎሚ ሰኑይ ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ መላእ ሱዳን ካብ ዝርክቡ ሓገዝ ዘድልዮም 30.4 ሚልየን ሰባት ነቶም 20.9 ሚሊዮን ንምሕጋዝ ብምምዳብ 4.2 ቢሊዮን ዶላር ገንዘብ ንምትእኽኻብ ፃውዒት ኣቕሪቡን ጀሚሩን ኣሎ።

ሱዳን ብሰንኪ እቲ ኣብ ሚያዚያ 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህፁፅ ወሃቢ ደገፍን ዝተልዓለ ኲናት እታ ሃገር ናብ ገምገም ዓፀቦ ትርከብ።

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ልዕሊ ሸሞንተ ሚሊዮን ሰባት ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሎም። እዚ ኣብ ርእሲ እቲ ቅድሚ ኲናት ዝተመዛበሉ 2.7 ሚሊዮን ሰባት እዩ። ሱዳን ኣብ ዓለም ዝዓበየ ቅልውላው ውሽጣዊ ምምዝባል ዘጋጠማ ሃገር ኮይና ኣላ።

ካብዚ ብተወሳኺ 3.3 ሚሊዮን ሰባት ካብ ኲናት ሃዲሞም ናብ ወፃኢ ሃገራት ተሰዲዶም ኣለው። እዚ ማለት ቅድሚ ኲናት ይግመት ካብ ዝነበረ ኣስታት 50 ሚሊየን ህዝቢ ልዕሊ ርብዒ ህዝቢ ካብ መንበሪኡ ተመዛቢሉ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG