ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝላዓለ ነጥቢ ረኺቦም ዝተመረቁ ተማሃሮ ኢትዮዽያን ኤርትራን


Ethio-Eritrea
Ethio-Eritrea
ንሙሉእ‘ቲ ቃለ-መጠይቅ‘ቲ ዕላል ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:14:09 0:00
መራገፊ

ሎም-ዘበን ካብ ዩኒቨርስቲ መቀለ 52 ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሻሓት ተማሃሮ ብዲግሪን ብዲፕሎማን ተመሪቆም‘ለው።እዞም ኤርትራውያን ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ሰሜን ኢትዮዽያ ተሓፂሮም ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ዝተቀመጡ‘ዮም ነይሮም።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ምስ ሕ/ሃ ብመሰረት ዝተፈራረሞ ውዕል ዕድል ትምህርቲ ዝረኸቡን ናብ ዩኒቨርስታት ዝኣተውን ኤርትራውያን ክምረቁ እቶም ፈላሞት‘ዮም።

እቶም ስደተኛታት ናብ ዩኒቨርስቲታት ኣኽሱም፣መቀለን ኣዲሳበባን ከምዝኣተውን ስነ-ስርዓት ምረቃ ኣብ‘ዚ ቀረባ ክፍፀም ከሎ ገሊኦም ብዝላዓለ ውፅኢት ወይ ነጥቢ ተመሪቆም‘ለው።

ንሎሚ ብዝላዓለ ውፅኢት ካብ ሞንጎ ዝተመረቁ ንኣርባዕተ ተማሃሮ፣ክልተ ኤርትራውያንን ክልተ ኢትዮዽያውያንን፣ኣጋይሽ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንክኾኑ ዓዲምናዮም‘ለና።

XS
SM
MD
LG