ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደ/ኣፍሪቃ - ሕ/ሃ ኣብ ቓዛ ተዂሲ ደው ክብል ክእዝዝ ሓቲታ


ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቓዛ ምቁራጽ ተዂሲ ንኽግበር ትእዛዝ ከመሓላልፍ ሓቲታ።

እቲ ጻዊዒት ዝቐረበ ኣብ ዘ-ሄግ ዝመደበሩ መጋባእያ ገበናት፡ ንሳልሳይ ግዚኡ ብዛዕባ ግጭት ቓዛ ቃለ-ምስክርነት ኣብ ዝሰማዓሉ እዋን`ዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ትፍጽም ኣላ ብምባል ናብቲ ቤት ፍርዲ ክሲ ምቕራባ ይፍለጥ`ዩ። ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ነዘርላንድስ ቩሲሙዚ ማዶንሰላ ነቲ 15ደያኑ ዝሓዘ መጋባእያ ኣብ ዘስምዖ ምሕጽንታ እቶም ደያኑ እስራኤል ካብ ቓዛ ብዘይ ቅድመ ኩነት ጠቕሊላ ክትወጽእ ክእዝዙ ሓቲቱ።

እቲ መጋባእያ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ግዜ ዘይህብ ሓደጋ ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ድሮ ኣረጋጊጹ`ዩ ዝበለ ድማ ኣካል`ቲ ጉጅለ ሰብ-ሞያ ሕጊ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኾነት ኣየርላንዳዊ ጠበቓ ብለኒ ን`ግራላይን`ያ።

እስራኤል ብወገና ነቲ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝቐረበ ክስታት ነጺጋቶ`ላ። እዚ ዳሕራይ ሙጉት ዝለዓል ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ንደቡባዊት ከተማ ራፋሕ ንምጥቃዕ ኣብ ዝሸባሸበሉ ዘሎ እዋን`ዩ። ብዙሓት ተፈናቐልቲ`ውን ዝተዓቖቡላ ስለዝኾነ መጥቃዕቲ ራፋሕ ካብ ዙርያ ዓለም፡ እንተላይ ካብ ኣመሪካ ተቓውሞ ኣስዒቡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG