ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ምውጻእ ቀዳምነት ዝዋሃቦ እዩ' ይብል ጥምረት ዓለም ለኸ ማሕበር ተጋሩ


ዶ/ር ኣረጋዊ መብራህቱ
ዶ/ር ኣረጋዊ መብራህቱ

‘አብ’ዘን ዝቅጽላ ክልተ ኣዋርሕ ከም መድሓኒት፣ መግቢ፣ ማይን ካልኦትን ዝኣምሰሉ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝን ረድኤትን ናብ ትግራይዩ፣ ኣብ ዓለምና ዛጊድ ዘይተራኣየ ናይ ህዝቢ ህልቂት ከጋጥም ከምዝኽእል’ ተገሊጹ። ነዚ መግለጺ'ዚ ዝሃበ ‘ቅድሚ ኣስታት 6 ዓመታት ብደረጃ ዓለም ዝተጣየሸን መሓውሩ ኣብ ትግራይ፣ ኣዲሳበባን ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝዘርገሐ ብምሕጻረ ቃል OTNAA-Worldwide ዝባሃል ‘ዓለም ለኸ ጥምረት ተጋሩ ንኣዎንታዊ ለውጢ’ እዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ትግራይ ንክወጽእ ዝጽውዕ እዚ ጥምረት’ዚ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ሙሉእ ትግራይ ንክባጻሕ፣ ናጻ ኣካል ናብ ትግራይ ኣቱ ንዝወረደ ግፍዒን መግሃስቲን ንከጻሪ ጸዊዑ ኣሎ።

ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ንክወጽእ እንተዘይኪኢሉ ብግልጺ መጸዋዕታ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ንከቅርብ’ውን እቲ ጥምረት ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚን ተኣሳሲሮም ዝቀርቡን ሕቶታት ተመስሪቱ ምስ ጊዚያዊ ሓላፊት ቢሮ ኮምኒኬሽን ትግራይ ወ/ሮ እቴነሽ ንጉሰ ሙሉእ ቃለ ምልልስ ኣካይድና ኣለና። ንጽባሕ ሓሙስ ተጸበዩና።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:52 0:00


XS
SM
MD
LG