ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞት ኦሳማ ቢን ላደን መዘራረቢ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኮይኑ


መንበሪ ኦሳማ ቢን ላደን ዝነበረ ህንፃ
መንበሪ ኦሳማ ቢን ላደን ዝነበረ ህንፃ

መራሒ ኣል-ቃይዳ ኦሳማ ቢን ላደን ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ፓኪስታን ቀቲለዮ‘ለኹ ክትብል ኣሜሪካ ከምዘፍለጠት ዝዝከር‘ዩ።ነዚ ንዓለም ዝፀለወ መዘራረቢ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ገይርናዮ‘ለና።ኣጋይሽና ኣባል ፓርላማ ስዊድን ኤርትራ-ዝመቦቅሎም ኣቶ ኣርሄ ሓመድ-ናካን ኢትዮዽያዊ ኣቶ ታደሰ ገ/ሄርን ክልቲኦም ካብ ስዊድን‘ዮም።በትረ ስልጣን እዩ ዓዲምዎም።

ሞት ኦሳማ ቢን ላደን ተቀባልነት ኣለዎ ዝበለ ኣቶ ኣርሄ ሓመድ-ናካን፣ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ሰሜን ኣፍሪቃን ናይ ህዝብታት ቃልሲ ፀኒሑ‘ዩ፣ ብኦባማ ዝመፀ ቃልሲ ኣይኮነን።ኣሜሪካ ብቀጥታ ኣብ‘ቲ ዞባታት ንብልሽዋት መንግስታት ንምውጋድ ኢዳ ምእታዋ ነቲ ዞባ ኣባሪዕዎ ኣበላሽዎን ዝብል ገምጋም ኣለኒ ይብል።

ብዛዕባ ሞት ኦሳማ ቢን ላደን ምስ ኣቶ ኣርሄ ተመሳሳሊ እምነት ዝሓዘ ኣቶ ታደሰ ገ/ህይወት ብወገኑ፣ስእሊ ቢን ላደን እንተዘይሪኢና ንዝብሉ ወገናት ጥርጣረኦም ተቀባልነት የብሉን፣ኣሎ ዝብሉ እንተኾይኖም ባዕሉ ኦሳማ ቢን ላደን ኣለኹ ኣይሞትኩን ኢሉ ንክዛረብ ዕድል ይሃብዎ ይብል።

XS
SM
MD
LG