ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 96 ሽልማት ኦስካር ተኻይዱ


መበል 96 ሽልማት ኦስካር
መበል 96 ሽልማት ኦስካር

መበል 96 ሸልማት ኦስካር ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ካሊፎርንያ ተኻይዱ። ኣብቲ ዝተኻየደ ምሃብ ሽልማት ኦስካር ንታሪኽ ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ንምሕዞ ኦቶሚክ ቦምብ ዝመርሕ ዝነበረ ኣመሪካዊ ተመራማሪ እተዘንቱ ፊልም "ኦፐንሃይመር" ተዓዋቲት ሸውዓተ ሽልማት ብምዃን ዝበለፀት ስራሕ'ዚ ዓመት ኮይና።

ኣብታ ፊልሚ ኣይርላንዳዊ ክሊያን መርፊ ዝበለፀ ተዋሳኣይ፡ ተሓጋጋዛይ ተዋሳኣይ ከኣ ሮበርት ዳውኒ እውን ተሸሊሞም’ለዉ።

ንፈላሞት መዓልታት ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዝትርኽ ናይ ሓደ ሰብ ተመክሮ “20 መዓልታት ኣብ ማሪፑል” ዘርእስታ መፅናዕታዊ ፊልም ዝበለፀት ተባሂላ ሸልማት ረኺባ’ላ።

ኣሶሸይትድ ፕረስን “ፍሮንትላይን” ዝተባህለ ፕሮግራም ህዝባዊ ተሌቪዥንን ብሓባር ዘዳለውዎ ተኸታታሊ መፅናዕታዊ ፊልም ዳይረክተር ሚስቲስላቭ ቸርኖቭን ኣዳላዊን ኤዲተርን ሚሸል ሚዝነር ራነይ ኣሮንሳን ተሸሊሞም’ለዉ።

እዚ ሽልማት ነቲ 179-ዓመት ዕድመ ዘለዎ ትካል ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስን ቪድዮ ጋዜጠኛ ቸርኖቭን ፈላማይ ሸልማት’ዩ።

ኣብዚ ትማሊ ሰንበት ዝተኻየደ ምዕዳል ሽልማት ኦስካር ካብቲ ኣቓልቦ ሓያሎ ተዓዘብቲ ዝሰሓበን ዘዘራረበን ናይ ጆን ሲና’ዩ ነይሩ። እቲ ህቡብ ናይ ረስሊንግ ተወዳዳሪ ጆን ሲና፡ ንተዓዋቲ ሽልማት ዝበለጸ ኮስትዩም ክነግር ኣብ መድረኽ ኣብ ዝወጽኣሉ፡ ብዘይካ’ቲ ንሕፍረቱ ዝሽፍን ዝርዝር ዕዉታት ዝሓዘ ሰታሪት(ጶስጣ) ካልእ ዝዀነ ክዳን ዘይብሉ ዕርቃኑ ኣብ መድረኽ ተራእዩ። ጆን ሲና ነቲ ሓጺር ናይ ኣልባሳት ዝተባህለ ብምሉእ ዕርቃኑ ዝግበሮ ምርኢት ምስ መራሒ እቲ መደብ ጂሚ ክሜል ብምዃን’ዩ ኣካዪዱዎ። ጂሚ ክሜል ግን ምስ ምሉእ ክዳውንቱ’ዩ ነይሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG