ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞት ኦሳማ ቢን ላደን ስትራተጂ ፕረዘደንት ኦባማ ኣብ ውግእ ፀረ-ኣል-ቃይዳ ዕውት ምኻኑ ዘረጋገፀ'ዩ ይብል ኣቶ መድሃኔ ታደሰ


ኣብ ምንቅስቃስ ኣል-ቃይዳ ግን ብዙሕ ለውጢ ኣይህልዎን

ሓይልታት ዩ-ስ፣ኣብ ፓኪስታን ንመራሒ ኣል-ቃይዳ ኦሳማ ቢን ላደን ከምዝቀተልዎ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ንህዝቢ ኣሜሪካን ዓለምን ከምዘረጋገፁ ካብ ዜናታትና ሰሚዕኩም ኢኹም።ተንታኒ ፖለቲካ ኩነታት ምብራቅን ቀርኒን ኣፍሪቃ ኣቶ መድሃኔ ታደሰ ዕሙቅ ዝበለ ትንታነ ንክህበና ዓዲምናዮ‘ለና።

ኣቶ መድሃኔ ኣብ ዘረብኡ፣ምንጭታት ሚድያ መንግስቲ ፓኪስታን እቲ ስርሒት ቅድሚ ምፍፃሙ ኣይፈለጠን ኢለን‘የን ዝፅብፅባ ዘለዋ‘ሞ ዝእመን ድዩ ንዝብል ሕቶ፣መንግስቲ ፓኪስታን ከምመጠን መንግስቲ ብዙሕ ፀገም ዘለዎ‘ዩ፣እንተኾነ ወትሃደራዊ ስለያ’ታ ሃገር ብዛዕባ ንኦሳማ ቢን ላደን ዝቀተለ ስርሒት ዩ-ስ ኣይፈልጥን ነይሩ ምባል ኣይካኣልን ይብል ኣቶ መድሃኔ ታደሰ።

መንግስቲ ኣሜሪካ’ውን ነቲ ስርሒት ኣብ ግዝኣት ፓኪስታን ስለዝፈፀሞ፣ፖለቲካዊ ምልዕዓል ንከይፍጠር፣ተቃውሞታት ንከይባራዕ፣ ምትእትታው ኣሜሪካ ኣብ ፓኪስታንዳርጋ ዘይፍቱው ስለዝኾነ፣ፓኪስታን ነዚ ሓደጋ‘ዚ ንከይላዓል፣ንናይ ፓኪስታን መንግስቲ ንምሽፋን ተባሂሉ ዝግበር‘ውን‘ዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG